ስነ-ስርዓት ምርኽኻብ ኣብ ከባቢ ማይጭሆት ዝተደኰነ ፕሮጀክት ጸሓያዊ ጸዓት ንኡስ-መደበር ሓይሊ ኤለትሪክ ኣስመራ፡ ትማሊ 21 ግንቦት ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጎስ ገብረሂወት ዝተረኽበሉ ስነስርዓት፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይን ኣምባሳደር ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ኣብ ኤርትራ ሚስተር ያንግ ዚጋንግን፡ ኣብቲ መረኻኸቢ ሰነድ ክታሞም ኣንቢሮም።

ኣብ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ሓላፊ ጨንፈር ጸዓት ኣቶ ግርማይ በርሀ፡ እቲ ፕሮጀክት መቐጸልታ ናይ’ቲ መንግስቲ ቻይና ኣቐዲሙ ኣብ ህንጸት መባእታ ቤት-ትምህርቲ ኢራፋይለን ምትካል 420 ብጸሓያዊ ጸዓት ዝሰርሕ ዓንድታት መብራህትን ዝገበሮ ምትሕግጋዝ ከምዝኾነ ገሊጹ።

ኣምባሳደር ያንግ ዚጋንግ ብወገኑ፡ እዚ ተሃኒጹ ዘሎ ናይ 2 ሜጋ-ዋት ፕሮጀክት ጸሓያዊ ጸዓት፡ ኣብ’ቲ መንግስቲ ኤርትራ ምንጪታት ኣማራጺ ጸዓት ብስፍሓት ንምትግባር ዘካይዶ ዘሎ ገዚፍ ወፍሪ ኣስተዋጽኦ ከምዝህልዎ ሓቢሩ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ኤርትራ ሞያዊ ኣገልግሎት ንዝህቡ ቻይናውያን ሓካይም ዘገልግል – ብኤምባሲ ቻይና ናይ ዝተሰርሐ መንበሪ ኣባይቲ ስነስርዓት ምርኽኻብ፡ ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሕሴንን ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወትን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ትማሊ 21 ግንቦት ተፈጺሙ።

Categories