ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ኬንያ ኣቶ በየነ ርእሶምን ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ፈረንሳ ወይዘሮ ሃና ስምኦንን፡ ኣብ ህልው ኩነታት ሃገር ዘተኰሩ ሰሚናራት ኣካዪዶም።

ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝተኻየደ ሰሚናር፡ ኣምባሳደር በየነ፡ ኣብ’ዚ ተኣትዩ ዘሎ መድረኽ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምምሕያሽ መነባብሮ ዜጋታት መሰረታዊ ፍታሕ ዘምጽኡ ልምዓታዊ መደባትኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዜጋታት ኣብ’ዚ ሃገራዊ ወፍሪ ተራኦም ከዕዝዙ ኣዘኻኺሩ።

ኣምባሳደር ሃና ስምኦን ብወገና፡ ንኤርትራውያን ነበርቲ ፓሪስን ከባቢኣን ኣብ ዘካየደቶ ሰሚናር፡ ኣብ ዞባና ተረጋጊጹ ብዛዕባ ዘሎ ትስፉው መድረኽን ምዕባለታቱን ኣብሪሃ።

ክልቲኦም ኣምባሳደራት ኣብ ሰሚናራቶም፡ ዝትለሙ ቊጠባዊ፡ ፖለቲካውን ማሕበራውን ምዕባለታት፡ ብምምልላእን ምትሕግጋዝን ከምዝድረኹ ንምግባርን፡ ህላወ ርጉእ ጎደቦ ንምውሓስን ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ይካየድ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ከም ውጽኢቱ ምስ ሓያሎ ሃገራት ኣብ ሕድሕዳዊ ምክብባርን ምትሕግጋዝን ዝተሰረተ ጽምዶ ንምቛም ተኻኢሉ ከምዘሎ ኣረዲኦም።

Categories