ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣባል ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሃዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራን ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሰሜናውን ደቡባውን ቀይሕ ባሕሪን፡ ብጹእ ኣቡነ ኣትናቴዎስ፡ ትማሊ 21 ግንቦት ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቐትሪ ኣብ ርእሰ-ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስቲ ማርያም ኣስመራ ተፈጺሙ።

ኣብ’ቲ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ከምኡ’ውን ሊቃውንትን ውሉደ ክህነትን ዝተረኽቡሉ ስነ-ስርዓት፡ ሓጺር ታሪኽ ህይወት፡ ምስጋናን ቡራኬን ቀሪቡ።

ናብ ትማሊ 21 ግንቦት ኣብ ዘውግሐ ለይቲ’ውን፡ ኣብ መላእ ኣስመራ ዝርከባ ኣብያተ-ክርስትያን፡ ጸሎተ-ፍትሓት ብጹእ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ከብጽሓ ሓዲረን።

ብጹእ ኣቡነ ኣትናቴዎስ፡ ብምኽንያት ሕማም ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ክግበረሎም ድሕሪ ዝጸንሐ ሕክምናዊ ክንክን፡ ብ17 ግንቦት እዮም ኣብ መበል 76 ዓመት ዕድመኦም ዓሪፎም።

Categories