ኣብ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት፡ ዓሶ ንምክልኻል ብዝተኻየደ ጻዕሪ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ተርእዮ’ቲ ሕማም ከምዘንቈልቈለ ተሓቢሩ።

ኩነታት’ቲ ሕማም ንምግምጋም ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ መዲካል ዳይረክተር ሆስፒታል ኣፍዓበት፡ ነርስ ኣስራት ኣሚነ፡ ኣብ ከተማ ኣፍዓበት ካብ ዝተመርመሩ 816 ሰባት – እቶም 58 ሰባት፡ ብኣጋር ሓካይም ካብ ዝተመርመሩ 125 ድማ – 9 ጥራይ ሕማም ዓሶ ከምዝጸንሖም ገሊጹ።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ ተራን ሓላፍነትን ሕብረተ-ሰብ፡ ኮሚተ ጥዕና ዓዲ፡ ትካላት ጥዕና፡ ኣመሓደርቲ ከባቢን ኣጋር ሓካይምን – ኣብ ምግታእ’ቲ ሕማም ድሕሪ ምዝታይ፡ ግቡእ ምክትታልን ተሓታትነትን ዘለዎ ዕማም ክስራሕ ተረዳዲኦም።

ጥዕና፡ ኣመሓደርቲ ከባቢን ኣጋር ሓካይምን – ኣብ ምግታእ’ቲ ሕማም ድሕሪ ምዝታይ፡ ግቡእ ምክትታልን ተሓታትነትን ዘለዎ ዕማም ክስራሕ ተረዳዲኦም።

Categories