ኣብ ሱዳን ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ “ጽንዓት ብጽንዓት ንልምዓት” ብዝብል ቴማ፡ በዓል ናጽነት ሃገሮም ብ17 ግንቦት ብልዑል መዓርግ ጸምቢሎም።

ኣብ ካርቱም ኣብ ዝተኻየደ፡ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን፡ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ሱዳንን ዕድመ ዝተገብረሎም ዲፕሎማሰኛታትን ካልኦትን ዝተረኽቡሉ ጽምብል፡ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣቶ ኢብራሂም እድሪስ፡ ናይ ሎሚ ዓመት ጽምብል፡ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ፍረ ጽንዓቶምን ሓያል መኸተኦምን ኣብ ዝሓፈሱሉን ዓበይቲ ዲፕሎማስያዊ ዓወታት ኣብ ዝተጐናጸፉሉን ይበዓል ምህላዉ ጠቒሱ፡ ሽርክነታዊ ጽምዶን ምትሕግጋዝን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምዕባይን ርግኣት ዝሰፈኖ ጎዶቦ ንምህናጽን ዝተጀመረ ጒዕዞ፡ ብዝለዓለ ደረጃ ይስራሓሉ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ጽምብል ናጽነት፡ ኪኖ’ቲ ደስታን ድግስን፡ ዝተሰከምናዮ ሕድሪ ሰማእታት ብምዝካር፡ መብጽዓና ንቕያ ልምዓትን መኸተን እነሐድሰሉ ኣጋጣሚ ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣቶ ኢብራሂም፡ “ሕጂ’ውን፡ ናይ ጽንዓት ጒዕዞና ብጽንዓት ተደሪዑ፡ ኣብ ልምዓት ተኣምር ከምዝሰርሕ፡ ድሮ ተጀማሚሩ ዘሎ ጕሉሕ መርኣያ እዩ” ክብል ገሊጹ።

ወኪል ወተሃደራዊ መሰጋገሪ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ኢብራሂም ጃብር፡ ንህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዮሃና ድሕሪ ምባል፡ ነዊሕ ታሪኽን ምትእስሳርን ዘለዎ ዝምድና ክልቲኡ ሓው ህዝብታት፡ ኣብ ድልዱል ሰረት ዝተሃንጸ ብምዃኑ፡ ኩሉ-መዳያዊ ዝምድናታት ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምብጽሑ ከምዝሰርሑ ኣረጋጊጹ።

ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ናይ ሎሚ ዓመት ጽምብል፡ ንዕብየትን ምዕባለን ኤርትራ ዓጊቱ ዝጸንሐ መዋእል ተጻብኦታት ተቐንጢጡ፡ ሓራ መስመር ኤርትራ ኣብ ዝተዀለዓሉ ትስፉው መድረኽ ይበዓል ምህላዉ፡ ዕዙዝ ከምዝገብሮ ገሊጾም።

እቲ ጽምብል፡ ብባህላዊ መደብ፡ ከምኡ’ውን ንታሪኽ ከተማ ኣስመራን ሓቚፋቶ ዘላ ብርቂ ቅዲ ህንጻታትን ዘንጸባርቕ ስእላዊ ምርኢት ደሚቑ ነይሩ።

Categories