ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ግብጺ ዓብዱልፋታሕ ኣልሲሲ፡ ፕረዚደንት ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ሺ ጂንፒንግ፡ ፕረዚደንት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ጀርመን ፍራንክ-ቫልተር ሽተይንመርን ጳጳስ ቫቲካን ፍራንሲስን፡ ብምኽንያት መበል 28 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ ናብ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ናይ ‘ዮሃና’ መልእኽቲ ሰዲዶም።

እቶም መራሕቲ ኣብ መልእኽታቶም፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምሉእ ጥዕና፡ ንኤርትራን ህዝባን ድማ ሰላምን ብልጽግናን ተመንዮም።

ፕረዚደንት ዓብዱልፋታሕ ኣልሲሲ፡ ንዓሚቚን ታሪኻውን ዝምድና ግብጺን ኤርትራን ብምጥቃስ፡ ነዚ ሓቀኛ መርኣያ ድልዱል ዝምድናታት ዝኾነ ሕውነታዊ ዝምድና፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ብዝግበር ምትሕግጋዝ ንምድንፋዑ፡ ብወገን ሃገሩ ዘሎ ድልውነት ገሊጹ።

ፕረዚደንት ሺ ጂንፒንግ ብወገኑ፡ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ናጽነት ዓመታት፡ ኣብ ቊጠባውን ማሕበራውን መዳያት ዘመዝገበቶ ገስጋስ፡ ኣብ’ዚ ሓድሽ መድረኽ ኣገዳሲ ኣበርክቶ ክህልዎ እምነቱ ገሊጹ። ሃገሩ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ድልዱል ሕውነታዊ ዝምድና መሰረት ብምግባር፡ ምትሕብባራ ከም እተዕዝዝ ድማ ኣረጋጊጹ።

Categories