ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ኣቦ-መንበር መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን ኣብጺሑ።

መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ምሕዝነት ኤርትራ ንህዝብን ትካላትን ሱዳን ኣብቲ ንሰላም፡ ርግኣትን ምዕባለን ዝገብርዎ ዘለዉ ጉዕዞ ብምግላጽ፡ ህዝቢ ሱዳን ንጉዳያቱ ባዕሉ ፍታሕ ከምዝረኽበሉ ጽኑዕ እምነት ኤርትራ ዘረጋግጽ እዩ።

ኣብ’ቲ ብ19 ግንቦት ኣብ ካርቱም ዝተኻየደ ርክብ፡ ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን፡ ንተበግሶ ኤርትራ ድሕሪ ምምስጋን፡ ብዛዕባ ህልው ምዕባለታት ሱዳን ንልኡኽ ኤርትራ መብርሂ ሂቡዎ።

ክልቲኦም ወገናት ብተወሳኺ፡ ዝምድና ኤርትራን ሱዳንን ናብ ንቡር ንምምላስ ዘለዎም ድልውነት ኣረጋጊጾም።

ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ብዘይካ’ዚ፡ ምስ ምክትል ኣቦ-መንበር መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደግሎ ተራኺቡ፡ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድናን ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ካልኦት ጉዳያትን ዘትዩ።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን፡ ንተገዳስነት መንግስቲ ኤርትራን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ኣብ ጉዳያት ሱዳን ብሓፈሻ ድሕሪ ምምጓስ፡ እዚ ዑደት’ዚ ኣብ ዝምድና ኤርትራን ሱዳንን ሓድሽ ምዕራፍ ከምዝኸፍት ጽኑዕ እምነቱ ገሊጹ።

Categories