ብጸሓፊን ተመራማሪ ታሪኽን ተጋዳላይ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ቅድሚ 30 ዓመታት ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ዝተጻሕፈት “ክልተ ቅነ ኣብ ድፋዓት” ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ናብ ቋንቋ ጀርመን ተተርጒማ፡ ብ11 ግንቦት ኣብ ከተማ ማንሃይም ብወግዒ ተመሪቓ።

ኣብ’ቲ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ኣቶ ዮውሃንስ ወልዱ፡ ከምኡ’ውን ሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኣቶ ካሕሳይ ተወልደን ካልኦትን ዝተረኽቡሉ ናይ መመረቕታ ስነ-ስርዓት፡ ነታ መጽሓፍ ዘላሊ ገምጋም ቀሪቡ።

መጽሓፍ “ክልተ ቅነ ኣብ ድፋዓት”፡ ዝኽርታት ንእስነት፡ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ዝተራእየ ጅግንነትን ምረትን፡ ከምኡ’ውን ክፉእ ገጽ ኲናት ዝገልጻ ሓጸርቲ – ግን ከኣ ገለጽቲ ጽሑፋት ዝሓዘለት ምዃና፡ ገምጋም ዘቕረበ ኣቶ መሓሪ ምሕጹን ገሊጹ።

ንመጽሓፍ “ክልተ ቅነ ኣብ ድፋዓት” ናብ ቋንቋ ጀርመን ዝተርጐሙ፡ ኣቶ ተኽሉ ለባሲን ወ/ሮ ኤሪካ ቤልስን እዮም።

Categories