ኣባል ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሃዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራን ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሰሜናውን ደቡባውን ቀይሕ ባሕሪ ብጹእ ኣቡነ ኣትናቴዎስ፡ ብምኽንያት ሕማም ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ክግበረሎም ድሕሪ ዝጸንሐ ሕክምናዊ ክንክን፡ ብ17 ግንቦት ኣብ መበል 76 ዓመት ዕድመኦም ኣብ መወከሲ ሆስፒታል ኦሮታ ዓሪፎም።

ስነ-ስርዓት ቀብሮም ድማ፡ ዝመጽእ ሰሉስ 21 ግንቦት ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቐትሪ ኣብ ርእሰኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስቲ ማርያም ኣስመራ ክካየድ’ዩ።

ኣቡነ ኣትናቴዎስ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2005 ዝተፈጸመሎም ስርዓተ ሲመት ጸሎተ ተቀብኦ፡ ብመዓርግ ጵጵስና ን9 ወርሒ ኣብ ሃገረ ኢጣልያ፡ ን7 ዓመት ድማ ኣብ ሃገረ ጀርመን ከም ጳጳስ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ኮይኖም ኣገልጊሎም።

ብድሕሪ’ዚ፡ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ጳጳስ ሃገረ ስብከት ጋሽ-ባርካ፡ ቀጺሎም’ውን ክሳብ ዕለተ ዕረፍቶም ከም ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሰሜናውን ደቡባውን ቀይሕ ባሕሪ ኮይኖም ከገልግሉ ጸኒሖም።

Categories