ኣብ ዞባ ማእከል፡ ነበርቲ ንኡስ ዞባ ምምሕዳር ፓራዲዞ፡ ብ18 ግንቦት ኮማዊ ዳስ ብምትካል፡ ውዕዉዕ ጽምብል ናጽነት ኣካዪዶም።

ኣብ’ቲ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል፡ ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ካልኦት ሰበ-ስልጣንን ዝተረኽቡሉ ጽምብል፡ ንርዝነትን ትርጒምን ናይ’ታ ዕለት ዝገልጽ መደረታትን ስነ-ጥበባዊ መሰናድኦታትን ቀሪቡ።

እቲ ኮማዊ ጽምብል፡ ተመሃሮ ብዘቕረቡዎ ሰውራዊ ደርፍታትን ግጥምታትን ማዕሪጉ ውዒሉ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ጽምብል መበል 28 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ንምስታፍ፡ ብ17 ግንቦት ኣስመራ ዝኣተወት ኤርትራዊትኣመሪካዊት ስነ-ጥበበኛ ‘ቲፋኒ ሓዲሽ’፡ ኣብቲ ኮማዊ ዳስ ተረኺባ፡ ነቲ ጽምብል ተወሳኺ ድምቀት ሂባቶ።

ብንኡስ ዞባ ፓራዲዞ ዝፈለመ ኮማዊ ዳሳት፡ ኣብተን ካልኦት ንኡስ ዞባታት ብ23ን 24ን ግንቦት ክቕጽል ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።

Categories