መደባት በዓል ናጽነት ኤርትራ፡ “ጽንዓት ብጽንዓት ንልምዓት” ብዝብል ቴማ፡ ብዝተፈላለየ ንጥፈታትን መደባትን ብልዑል ማዕርግ ፈሊሙ።

ብመሰረት መደባት ሃገራዊ ኣወሃሃዲ ሽማግለ በዓላት፡ ኣቐዲሙ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዝጀመረ ስፖርታዊ ንጥፈታትን፡ ብ9 ግንቦት ዝተኸፍተ ቅነ ናጽነት ኣብያተትምህርትን ክካየድ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ቀንዲ ጎደናታትን ኣዳራሻትን ድማ፡ ምውላዕ ናይ ጎደና መብራህቲታትን ምሽላምን ጀሚሩ ኣሎ።

ከም ኣካል ናይዚ፡ ብምውህሃድ ጨናፍር ሚኒስትሪ ትምህርቲን ሃማመተኤን ዞባ ማእከል፡ ንምርኢት ዝተዳለዋ – ኣብ ታሪኽ፡ ምዕቃብ መንነት፡ ሓርበኝነትን መስዋእትነትን ዘተኰረ መልእኽቲ ዘለወን ሸውዓተ ሃገራውያን ፊልምታት፡ ኣብ ሲነማ ኢምፔሮ ንተመሃሮ ይቐርባ ኣለዋ።

እዚ ምርኢት፡ ክሳብ 19 ግንቦት ክቕጽል ምዃኑ፡ ወደብቲ ናይቲ መደብ ሓቢሮም።

ኤሪና ዘዘራረበቶም ዜጋታት ኣብ ዝሃቡዎ ርእይቶ፡ ዝኽሪ 24 ግንቦት፡ ረዚን ዋጋ ዝተኸፍሎ ናጽነት ኤርትራ ከም ብሌን ዓይንና ክንዕቅቦ፡ እቲ ተኣምር ዝሰርሐ ክብርታት ድማ ንወለዶታት ከነውርሶ እተዘኻኽር ዕለተ ምዃና ብምጥቃስ፡ ሰላም’ውን ናቱ ብድሆታት ስለዘለዎ፡ ህዝቢ ኤርትራ – ከም ቀደሙ ሓድነቱ ኣትሪሩ ንቑሕ መኸተኡ ከሐይል ኣዘኻኺሮም።

Categories