መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን፡ ብኣጋጣሚ መበል 28 ዓመት ጽምብል መዓልቲ ናጽነት፡ ናብ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ሰዲዶም።

ንጉስ ስዑዲያ – ሳልማን ቢን ዓብዱልዓዚን ወራስ ዓራት መሓመድ ቢን ሳልማንን፡ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ኦስትሪያ ዶክተር ኣለክሳንደር ቫን ደር በለን፡ ንጉስ ሽወደን ካርል ጉስታቭ፡ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ክሮኤሻ ኮሊንዳ ግራባርኪትሮቪችን ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ቱርኪ ረሲፕ ጠይብ ኤርዶጋንን ኣብ መልእኽቶም፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምሉእ ጥዕና፡ ንኤርትራን ህዝባን ድማ ሰላምን ብልጽግናን ተመንዮም።

Categories