ብኣጋጣሚ መበል 28 ዓመት ዕለተናጽነት ኤርትራ፡ ብሃማደኤ ዝተወደበ ናይ ቅብኣ፡ ቅርጻን ምህዞን ሰንዓን ምርኢት፡ ትማሊ 16 ግንቦት ብጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ-ስዒድ ተኸፊቱ።

እዚ ኣብ ኣስመራ – ኣዳራሽ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ሃገራዊ ማሕበር ደቂኣንስትዮ ኤርትራ (ሃማደኤ) ቀሪቡ ዘሎ ምርኢት፡ ክሳብ 20 ግንቦት ንህዝቢ ክፉት ኮይኑ ክቕኒ እዩ።

ሓላፊት ምምሕዳርን ፋይናንስን ሃማደኤ፡ መምህር ዛይድ መስፍን፡ እቲ ብስነ-ጥበባውያን ደቂ-ኣንስትዮ ዝተዳለወ ምርኢት፡ ብቐንዱ ነቲ “ጽንዓት ብጽንዓት ንልምዓት” ዝብል ቴማ ዘንጸባርቕ፡ ንጽንዓትን መኸተን ህዝቢ ኤርትራ ዝገልጽ ትሕዝቶ ዝሓቖፈ ምዃኑ ገሊጻ።

ኣብ ምህዞን ሰንዓን፡ ኣብ ሕብረተሰብ ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል ትሕዝቶ ቀሪቡ ከምዘሎ እውን፡ መምህር ዛይድ ብተወሳኺ ሓቢራ።

Categories