ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2015 ዝተመስረተ – ማሕበር ወለንታውያን ለገስቲ ደም ኣብ ዞባ ሰ/ቀ/ባሕሪ፡ ብ3 ግንቦት ካልኣይ ጉባኤኡ ብምቅናዕ፡ ናይ ሰለስተ ዓመታት ንጥፈታት ኣብ ርእሲ ምግምጋም፡ ሓዳስ ኣካያዲት ኣካል መሪጹ።

ኣብ’ቲ ጉባኤ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ልብሱ፡ ፕረዚደንት ማሕበር ወለንታውያን ለገስቲ ደም ኤርትራ ብሪጋደር ጀነራል ተኪኤ ርእሶም፡ ኣቦመንበር ሃገራዊ ማሕበር ወለንታውያን ለገስቲ ደም ኣቶ ሳምሶን ገብረስላሰ፡ ሞያውያን ጥዕናን ልዕሊ 200 ኣባላት ማሕበርን ተሳቲፎም።

ብዝተኻየደ ጐስጓሳት፡ ኣብ ምርግጋጽ ውሑስን ዘተኣማምንን ቀረብ ደም ዘተባብዕ ስራሕ ከምእተዓመ፡ ኣብቲ ዞባ ጨንፈር ባንክ ደም ስለዘየለ ግን፡ ምምስራት ዞባዊ ባንኪ ደም ኣገዳሲ ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣቦ-መንበር ማሕበር ወለንታውያን ለገስቲ ደም ዞባ ሰ/ቀ/ባሓሪ፡ ኣቶ ሃይለ ተወልደብርሃን፡ ኣብ ሰለስተ ወፍርታት ልግሲ ደም ብዛዕባ ዝተኣከበ መጠንን፡ ኣብ ህዝቢ ዝሰርጽ ዘሎ ናይ ባህሪ ለውጥን ዝምልከት መብርሂ ሂቡ።

ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ልብሱ፡ ማሕበር ንዘካይዶ ዘሎ ንጥፈታት ድሕሪ ምምጓስ፡ ብሰንኪ ስእነት ዝትካእ ደም እትሓልፍ ዘይትትካእ ህይወት ንኸይትህሉ፡ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ኣበርክቶኡ ከዕዝዝ ኣዘኻኺሩ።

Categories