ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ኣታይን ኣግማይትን – ንኡስ ዞባ ከርከበት፡ ናይ ኣካዳሚን ሞያን መባእታዊ ስልጠናታት ይህብ ኣሎ።

ንሰልጠንቲ ወርሓዊ 600 ናቕፋ እናተዋህበ፡ ኣብ ፈለማ ናይ’ዚ ዓመት ኣብ ዝጀመረ መባእታዊ ሞያዊ ስልጠና፡ ዛጊት 110 ደቂ-ኣንስትዮ ብኢደስርሓት – ውጽኢት ላኻን ዕንቊን ናይ ሰለስተ ኣዋርሕ ትምህርተን ከም ዝዛዘማ ተሓቢሩ።

ደቂ-ተባዕትዮ እውን፡ ብሕርሻን ህንጻን ናይ ሽድሽተ ኣዋርሕ ስልጠና ይከታተሉ ከምዘለዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ኣባል ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ኢንጂነር ካሕሳይ ተስፋይ፡ ኣብ’ቲ ብኣውራኡ ኣብ ልምዓት ጀራዲን ዘተኰረ ስልጠና፡ ቁጽሪ ሰልጠንቲ ብ50 ጀሚሩ 120 ከም ዝበጽሐን ብተገዳስነትን ይከታተሉዎ ከምዘለዉን ገሊጹ።

ናይ ህንጻ ትምህርቲ ዝህብ ዘሎ መምህር ሚኪኤል ዘካርያስ ብወገኑ፡ 61 ደቂ’ቲ ከባቢ ናይ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ትምህርቲ ዛዚሞም – ንመመረቕታ ተቓሪቦም ምህላዎም ሓቢሩ።

Categories