ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና፡ ናይ ሰለስተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽም ኣሎ።

እቲ ላዕለዋይ ልኡኽ ብ6 ግንቦት ኣብ ቤይጂን ምስ ሚኒስተር ጉዳያትወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ኣብ ምዕዛዝ ክልተኣዊ ዝምድናን ሽርክነታዊ ምትሕብባርን ኤርትራን ቻይናን፡ ከምኡ’ውን ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ዞባውን ዓለማውን ጉዳያት ተዘራሪቦምን ሓሳብ ተለዋዊጦምን።

ሚኒስተር ዑስማን፡ ኤርትራ ምስ ቻይና – ንረብሓ ክልቲኡ ህዝብታት ዘገልግል ጥዑይን ድልዱልን ሽርክነት ከተማዕብል ዘለዋ ድሌትን ድሉውነትን ብምርግጋጽ፡ ቻይና ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ጸጥታን ንኽሰፍን ተራኣ ክትጻወት ኤርትራ ከምእትድግፍ ገሊጹ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪ ብወገኑ፡ ቻይና ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ እትምስርቶ ዝምድና፡ “ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ዘይምትእትታው” ኣብ ዝብል መትከል ዝተሰረተ ምዃኑ ብምሕባር፡ ሃገሩ ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ዘሎ ምዕባለታት ብእወታ ከምእትጥምቶን ንምሕጋዙን ንምድንፋዑን ኣበርክቶ ክትገብር ቅርብቲ ምዃናን ኣረጋጊጹ። ብፍላይ ምስ ኤርትራ ኣብ ኩሉ መዳያት ዓሚቚ ዝምድናን ምትሕግጋዝን ክህልዋ ከም እትደሊ እውን ሓቢሩ።

ክልቲኦም ወገናት ኣብ’ቲ ርክብ፡ ገስጋስ ናይ’ቲ ክሳብ ሕጂ ዝጸንሐ ዝምድናን ምትሕብባርን ድሕሪ ምግምጋም፡ ንምድንፋዑ ኣብ ዘኽእል መዳያት ብዕምቈት ዘትዮም።

ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ ቻይና ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ምስ ዝተፈላለዩ ሰብ-መዚን ሰብ-ዋኒንን ተመሳሳሊ ርክባት ከካይድ እዩ።

Categories