ባሕቲ ግንቦት – ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት፡ “ሞያዊ ብቕዓት፡ ኣብ ሓድሽ መድረኽ” ብዝብል ቴማ፡ ብደረጃ ሃገር ንመበል 28 ግዜኣ ተዘኪራ።

ኣብ መዘናግዒ ማእከል ‘ዓሮበና’ ኣብ ዝተኻየደ ወግዓዊ ጽምብል፡ ዋና ጸሓፊ ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ፡ ኣቶ ተኸስተ ባይረ፡ ሃኮሰኤ – ነዚ ኣቲናዮ ዘሎና ሓድሽ መድረኽ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ምስ ሃገራዊ ናይ ህንጸት መደባት ብዝሳነ፡ ሓያሎ መደባት ሓንጺጹ ንግብራውነት ተበጊሱ ከምዘሎ ገሊጹ።

ብዘይ ሓያል ውዳበ ክስጐም ከምዘይከኣል ብምምልካት፡ ኣቶ ተኸስተ፡ ውዳበ ሰራሕተኛታት – ኣውራ ድማ መንእሰያት ሰራሕተኛታት፡

ብዝለዓለ ደረጃ ክስራሓሉ ምዃኑ ሓቢሩ።

ቃል ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ዘስመዐ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ዕዮ ኣቶ ወልደሱስ ኤሊሳ፡ ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ኣብ’ዚ ሓድሽ መዋእል፡ ስራሕ እቲ እንኮ ጐደና ንብሩህ መጻኢ ምዃኑ ተገንዚቦም፡ ብዝለዓለ ውዳበ ከምዝሰርሑ ጽኑዕ እምነቱ ገሊጹ።

ብኣጋጣሚ’ታ ዕለት፡ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰራሕተኛታት ዝተፈላለያ ትካላት፡ ኣብ ሰዓታት ንግሆ – ካብ ማይ-ሑጻ ናብ በለዛ ኣብ ዝወስድ መንገዲ፡ ናይ ምዝላይን ንፈልሲ ዝኸውን ጐዳጉዲ ናይ ምዂዓትን ስራሓት ኣሰላሲሎም።

Categories