ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላ፡ ብ21 ሚያዝያ፡ ንኣመሓደርቲን ኣነባበርቲን ዓዲ ከምኡ’ውን ንወከልቲ ህዝቢ፡ ኣብ ድሕነት ትራፊክን ምክልኻል ገበንን ዘተኰረ ኣስተምህሮ – ኣብ ኣዳራሽ ዓዲበጊዖ ተዋሂቡ።

ኣዛዚ ፖሊስ ዞባ ደቡብ፡ ኮሎኔል ዘሚኪኤል ተኽልያ፡ ዘይምኽባር ሕግን ሸለልትነትን ብዘስዕቦ ሓደጋታት ኣብ ሂወት ሰብን ንብረትን ከቢድ ክሳራ ይወርድ ከምዘሎ ብምምልካት፡ ሕብረተ-ሰብ ብዝግባእ ነቒሑ ካብ ሳዕቤናት ሓደጋ ክከላኸል ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ጽርግያ ንኣጋር ቀዳምነት ዘይምሃብን ምልክታት ትራፊክ ዘይምኽባርን፡ ክቱር ናህሪን መስተ ሰቲኻ መኪና ምምራሕን፡ እቶም ብብዝሒ ዝርኣዩ ጠንቅታት ምዃኖም ዝጠቐሰ ኮሎኔል ዘሚኪኤል፡ መራሕቲ ተሽከርከርቲ ንድሕነት ቀዳምነት ክህቡን ሓላፍነታውያን ክኾኑን ኣዘኻኺሩ።

ኮሎኔል ዘሚኪኤል ብዘይካ’ዚ፡ ንኣገዳስነት ምድንፋዕ ዝምድናታት ኮምን ፖሊስን ኣብ ምክልኻል ገበናትን በደላትን ብዝምልከት፡ ብኣሃዛት ዝተሰነየ ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ።

ተሳተፍቲ፡ ማእከላት መንእሰያት ኣብ ምምእዛን መንእሰያት ኣበርክቶአን ከዕብያ፡ ህዝብን ፖሊስን ዝማያየጡሉ መድረኻት ክሕይል፡ ፖሊስ ንዝበጽሖ ሓበሬታ ቅልጡፍ መልሰ-ግብሪ ክህብ ዝብሉ ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

Categories