ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ ትማሊ 30 ሚያዝያ፡ ንወኪል ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ኣብ ኣስመራ ብምጽዋዕ፡ ብዛዕባ’ቲ ውድቡ ነቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሊብያ ተዓጊቶም ንዝርከቡ ዜጋታቱ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪታት ንምትዕንቓፍ ዝገብሮ ዘሎ ዘይሓላፍነታዊ ተግባራት ዘለዎ ተሪር ተቓውሞ ኣስሚዑ።

ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ብመብጽዓ “ምጥያስ ናብ ሳልሳይ ሃገር”፡ ንገለ ካብ’ቶም ኣብ ሊብያ ዝተዓግቱ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ጸምጸም በረኻታት ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገረ ኒጀር ናብ ዝተደኰነ መዓስከር ከምዝሰደደ ይዝከር።

እዚ ብላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ተገይሩ ዘሎ ዝኾነ ሕጋዊ ምኽንያት ወይ መሰረት ዘይብሉ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር፡ ነቲ ብ“Eligibility Guidelines” ዝፍለጥ ኣብ 2009ን 2011 ዝወጸ፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ብጅምላ ዕቚባ ዘውህብ ተጻባኢን ንፍልሰት ደቂ-ሰብ ዘተባብዕን መርገጺ’ቲ ውድብ ብምቅላዕ፡ ንኽእረም ህጹጽ ስጒምቲ ክውሰድ ዘዘኻኽር እዩ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ነዚ ጠንቂ ፍልሰትን ዘይሕጋዊ ስደትን ኰይኑ ዝጸንሐ “መምርሒ ስራሕ”፡ ቅድሚ ሕጂ’ውን ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻትን ኣጋጣሚታትን፡ ብትሪ ክቃወሞ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት፡ ኣብ ሊብያ ተዓጊቶም ዝጸንሑ 50 ኤርትራውያን፡ ብወለንታኦም ናብ ሃገሮም ክምለሱ እንከለዉ፡ 18 ድማ ኣብ’ዚ ሳልስቲ ክምለሱ መደብ ተታሒዙ ኣሎ።

Categories