ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳር፡ ነቲ ካብ ወርሒ ለካቲት 2018 ከገልግል ዝጸንሐ ዝትክእ፡ ዝተመሓየሸ መምርሒ ክፍሊት ክራይ ንዘይመንበሪ ዘገልግል ናይ መንግስትን ብሕትን ኣባይቲ ኣውጺኡ።

እዚ ካብ 1 ሰነ 2019 ተግባራዊ ዝኸውን ዝተመሓየሸ መምርሒ ክፍሊት ክራይ፡ ነቶም ብተኻረይትን ኣካረይትን ክቐርቡ ዝጸንሑ ጥርዓናትን ርእይቶታትን፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ድሕሪ ምድህሳስ ዝተወሰነ ምዃኑ፡ እቲ ሚኒስትሪ ናብ ኤሪና ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ተጌሩ ዘሎ ምምሕያሽ፡ መጠን ክራይ ንዘይመንበሪ ዝካረ ናይ ብሕትን መንግስትን ኣባይቲ፡ ካብ’ቲ ዝጸንሖ በብዞናኡ ካብ 50 ሚእታዊት ክሳብ 20 ሚእታዊት ነክዩ ኣሎ።

እዚ ተጌሩ ዘሎ ምምሕያሽ፡ ምስ’ቲ ካብ 1 ለካቲት 2018 ክስራሓሉ ዝጸንሐ መምርሒ ክነጻጸር እንከሎ፡ ኣብ ዞን 1 ብ50 ሚእታዊት፡ ኣብ ዞን 2 ብ45 ሚእታዊት፡ ኣብ ዞን 3 ብ40 ሚእታዊት፡ ኣብ ዞን 4 ብ35 ሚእታዊት፡ ኣብ ዞን 5 ብ30 ሚእታዊት፡ ካብ ዞን 6 ክሳብ ዞን 10 ድማ ብ20 ሚእታዊት ዝጐደለ እዩ።

በዚ መሰረት፡ ከም ኣብነት፡ ኣብ ዞን 1 ንትርብዒት ሜትሮ 112.50 ናቕፋ ዝነበረ 56.50 ናቕፋ፡ ኣብ ዞን 2 ንትርብዒት ሜትሮ 100 ናቕፋ ዝነበረ 55 ናቕፋ፡ ኣብ ዞን 3 ንትርብዒት ሜትሮ 87 ናቕፋዝነበረ 52.50 ናቕፋ፡ ኣብ ዞን 4 ንትርብዒት ሜትሮ 75 ናቕፋ ዝነበረ 48.75 ናቕፋ፡ ኣብ ዞን 5 ንትርብዒት ሜትሮ 62 ናቕፋ ዝነበረ 43.75 ናቕፋ ኰይኑ ኣሎ።

ኣቐዲሙ ዝወጸ መምርሒ ንዞባ ማእከል ጥራይ ዝምልከት ስለዝነበረ፡ እቲ ኣብ ካልኦት ዞባታት ክስራሓሉ ተባሂሉ ዝተወሰኸ ዞናት 6 ክሳብ 10 መበገሲ ኣይጸንሖን።

ብመሰረት’ዚ ዝተመሓየሸ መምርሒ፡ ንባዶ መሬት ብዝምልከት፡ ኣብ ዞናት 1፡ 2፡ 3፡ 4ን 5ን፡ ክሳብ 500 ትርብዒት ሜትሮ ንዝስፍሓቱ ባዶ መሬት፡ ብሕሳብ 3.00 ናቕፋ ንሓደ ትርብዒት ሜትሮ፡ ካብ 501 ትርብዒት ሜትሮ ንላዕሊ ከኣ ንሓደ ትርብዒት ሜትሮ 2.00 ናቕፋ፡ ኣብ ዞናት 6፡ 7ን 8ን፡ ክሳብ 500 ትርብዒት ሜትሮ ንዝስፍሓቱ ባዶ መሬት ብሕሳብ 2.00 ናቕፋ ንሓደ ትርብዒት ሜትሮ፡ ካብ 501 ትርብዒት ሜትሮ ንላዕሊ ከኣ ንሓደ ትርብዒት ሜትሮ 1.50 ናቕፋ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዞናት 9ን 10ን ክሳብ 500 ትርብዒት ሜትሮ ንዝስፍሓቱ ባዶ መሬት ብሕሳብ 1.50 ናቕፋ ንሓደ ትርብዒት ሜትሮ፡ ካብ 501 ትርብዒት ሜትሮ ንላዕሊ ከኣ ንሓደ ትርብዒት ሜትሮ 1.00 ናቕፋ ተሓሲቡ ኣብ ወርሓዊ ክራይ ይድመር።

(ምሉእ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ተመሓዪሹ ቀሪቡ ዘሎ መምርሒ ክፍሊት ክራይ – ኣብ ናይ ጽባሕ ጋዜጣ ክሕተም እዩ)

Categories