ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብምንጽጻር – ተርእዮ ዓሶ ብ50 ሚእታዊት ከም ዝነከየን፡ በቲ ሕማም ዝስዕብ ሞት ናብ ዜሮ ከምዝወረደን፡ ብምኽንያት ኣህጉራዊ መዓልቲ ምክልኻል ሕማም ዓሶ፡ ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ዝተኻየደ መደብ ተሓቢሩ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዶክተር ኣማኑኤል ምሕረትኣብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ናጽነት ዓመታት ብዝተኻየደ ሓያል ጻዕሪ፡ ሕማም ዓሶ ኣብ ሃገርና ተርእዮኡን ቀታልነቱን ብዓቢ ናህሪ እናኣንቈልቈለ ይኸይድ ከምዘሎ ጠቒሱ፡ ንምጥፋኡ ዝወጸ መደብ ብኣድማዕነት ንኽትግበር፡ ኩሉ ዜጋ ብንቕሓት ኣበርክቶኡ ከዕዝዝ ጸዊዑ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ መንደፈራ ኣቶ ህዝቅያስ ውህበት ድማ፡ ሕማም ዓሶ ከቢድ ጥዕናዊ፡ ቊጠባውን ማሕበራውን ሳዕቤናት ዘለዎ ሓደገኛ ሕማም ብምዃኑ፡ ንምጥፋኡ ዝሰላሰል ዘሎ መደባት ንምዕዋት፡ ህዝቢ በብከባቢኡ ተወዲቡ ከባብያዊ ጽሬት ከዘውትር ተላብዩ።

Categories