ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ፡ ብምትሕብባር ሚኒስትሪ ዜናን ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ደቀምሓረን ዝተዳለወ ባህላዊ መሰናድኦ፡ ኣብ ከተማ ደቀምሓረ ቀሪቡ።

ኣካያዲ ስራሕ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ ኣቶ ግርማይ እሴት፡ ብስም ኣወሃሃዲት ሽማግለ በዓላት’ቲ ንኡስ ዞባ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ በዓል ትንሳኤ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ክበዓል ንዝተወስደ ተበግሶ ብምምጓስ፡ ነበርቲ ነቲ በዓል ክውን ንምግባርን ንምድማቕን ንዝገበሩዎ ኣበርክቶ ኣመስጊኑ።

ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ የማነ ኣበራ ድማ፡ ሃይማኖታዊ በዓላትና ናይ ይቕረ ምብህሃልን ምንብባርን መንፈስ ዘስርጽን ዝዅስኵስን ብምዃኑ፡ እቲ በዓል ኣብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ ክበዓል ዝተመርጸሉ ምኽንያት፡ ኣብ መንጎ ዓድታት ጓቛትን ገደለን ንልዕሊ 80 ዓመታት ዝነበረ ናይ መሬት ክርክር፡ ኣብ መጀመርታ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ ብዕርቂ ብምድቃሱ ምዃኑ ብምሕባር፡ እቲ ዝተበጽሐ ዕርቂ ንካልኦት ዓድታት ኣብነት ክኸውን ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ ዘዳለዎ ናይ ምስጋና ወረቐት፡ ንዓድታት ገደለን ጓቛትን ተዋሂቡ።

Categories