ካብ 1995 ጀሚሮም ኣብ ፕሮጀክት ፊዛ ተጠርኒፎም ኣብ ልምዓት ፍረታት፡ ኣሕምልትን ሓምላይ መግቢ እንስሳን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምርባሕ ከብቲ ተዋፊሮም ዝርከቡ ሓረስቶት፡ ፍርያቶም ብመጠንን ዓይነትን ክብ ኣቢሎም ጠለባት ዕዳጋታት ከባቢኦም ከማልኡ መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሕርሻ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ባህታ ቴድሮስ፡ ምስኣቶም ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ መነባብሮኦም ኣመሓይሾም ኣብ ከባቢኦም ኣበርክቶ ክገብሩ ጻዕርታቶም ከሐይሉ ኣዘኻኺርዎም።

እቶም ኣባላት ማሕበር ብወገኖም፡ ምብልሻው መመንጨዊ ጸዓትን፡ ምንጪታት ማይ ብድበት ምምላእን፡ ካብ ቀንዲ ብድሆታቶም ምዃኑ ብምሕባር፡ ብሰንኩ ንኹሉ’ቲ ከልምዕዎ ዝግባእ ከም ዘይተግበርዎ ገሊጾም።

Categories