ማሕበር ‘ትምህርቲ ምዝዋር መኪና’ ዞባ ማእከል፡ ምስ ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ብምትሕብባር፡ 54 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም ብምምሕዳራት ዝተለለዩ 162 ጽጉማት ደቂ-ስዉኣት፡ ብሞያ ምምራሕ መኪና ከሰልጥን መዲቡ።

ብ13 ሚያዝያ ምስ ሰልጠንቲ ኣብ ዝተገብረ ርክብ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ድሕነት፡ ኣቶ ምሕረትኣብ ፍስሃየ፡ ማሕበር ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ዞባ ማእከል ንዝወሰዶ ተበግሶ ሞጒሱ።

ወኪል ማሕበር ኣቶ ተኽለብርሃን ሃይለ፡ ስድራ ስዉኣት ምሕጋዝ ሕልና ዘቕስን ዜግነታዊ ተግባር ምዃኑ ገሊጹ። እቲ ስልጠና 17 ሚያዝያ ከም ዝጅመር ድማ ሓቢሩ።

ሰልጠንቲ ብወገኖም፡ ማሕበር ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ዞባ ማእከል፡ ሞያ ከዕጥቖም ምብጋሱ ኣዝዩ ከም ዘሐጐሶም ገሊጾም።

ማሕበር ትምህርቲ ምዝዋር ዞባ ማእከል፡ ኣስታት 82 ትካላት ዝሓቖፈ እዩ።

Categories