ማሕበር ስነ-ቀመም ኤርትራ፡ “ምምዕባል ስነ-ቀመም – ንሃገራዊ ልምዓት” ብዝብል ቴማ፡ ብ12 ሚያዝያ ኣብ ኣዳራሽ ቤትምኽሪ ንግዲ፡ 10ይ ጉባኤኡ ኣቃኒዑ።

ፕረዚደንት ማሕበር ኣቶ ዳንኤል ዘሚካኤል፡ ዕላማ ማሕበር – ዓውዲ ስነቀመምን ምስኡ ዝተሓሓዙ ስራሓትን ንምምዕባል፡ ኣብ ስነ-ምምህርና ዓውዲ ስነ-ቀመም ዝሰፍሓሉ ኩነታት ምልላይን ኣባላት ፍልጠቶም ዘስፍሑሉን ዓቕሚታቶም ዘደንፍዑሉን ዕድላት ምፍጣርን ምዃኑ ሓቢሩ።

ማሕበር፡ ሞያውያን ስነ-ቀመምን ምስኡ ዝዛመዱ ዓውድታትን ብምጥርናፍ፡ ተራኦም ኣብ ምምዕባል ኢንዱስትሪታት ብዝለዓለ ክጻወቱ ባይታ ንምጥጣሕ ይሰርሕ ከምዘሎ ድማ ኣረዲኡ።

ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ምርምርን ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብን ኣቶ ጴጥሮስ ሃይለማርያም፡ ማሕበር ስነ-ቀመም ኤርትራ ሒዝዎ ዝተበገሰ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ ዝርከቦ ብርክት ዝበለ ዕላማታት፡ ሚኒስትሪ ትምህርቲ እውን ኣተኲሮ ሂቡ ከምዝሰርሓሉ ሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ኤለክትሮኒካዊ ጓሓፋትን ኩነታቶም ኣብ ሃገርናን፡ ዓይነታት መዓር ኣብ ሃገርናን ኣብ መዓር ዝርከቡ ንጥረ-ነገራትን፡ ‘ኣክርሊሜድ’ ብዛዕባ ዝበሃል ኣብ ስራሓት ፕላስቲክ፡ ወረቐትን ካልእን ዘገልግል ባእታን ክግበረሉ ዘለዎ ጥንቃቐን ዝብሉ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ቀሪቦምን ዘተ ተኻዪዱሎምን።

ኣብ 1993 ዝተመስረተ ማሕበር ስነቀመም ኤርትራ፡ ልዕሊ 150 ኣባላት ኣለውዎ።

Categories