ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፡ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ንጉስ ስዑድያ – ሳልማን ቢን ዓብዱልዓዚዝ ኣብጺሑ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መልእኽቱ፡ ንንጉስ ሳልማን ስለ’ቲ ሓያል ደገፉ ንኤርትራን መስርሕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስጋና ድሕሪ ምቕራብ፡ ክልተኣዊ ዝምድናን ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ዘሎ ምትሕግጋዝን ንምድንፋዕ ዝሕግዝ ሓሳባት ኣቕሪቡ።

ኣብ’ቲ ትማሊ ረቡዕ 10 ሚያዝያ ኣብ ከተማ ሪያድ ኣብ ዝርከብ ቤተመንግስቲ ‘ኣልየማማ’ ዝተኻየደ ርክብ፡ ንጉስ ሳልማን፡ ኣብ መንጎ ስዑድያን ኤርትራን ንዘሎ ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ዝተሰረተ ምዉቕ ሕውነታዊ ዝምድና ብምጥቃስ፡ ሃገሩ ሽርክነታዊ ዝምድናኣ ምስ ኤርትራ ንምዕዛዝ፡ ከምኡ’ውን ዞባዊ ሰላምን ጸጥታን ንምርግጋጽን ንምውሓስን ግቡእ ሓላፍነታ ክትስከም ዘለዋ ቅሩብነት ኣረጋጊጹ።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት – ኣሚር ዓብዱልዓዚዝ ቢን ስዑድ ቢን ናይፍ ቢን ዓብዱልዓዚዝ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶክተር ኢብራሂም ቢን ዓብዱልዓዚዝ ኣዓሳፍ፡ ከምኡ’ውን ኣምባሳደር ኣብ ኤርትራ ሰቕር ቢን ሱለይማን ኣልቑረሺ ዝርከቡዎም ሰበ-ስልጣን ስዑድያ ተረኺቦም ነይሮም።

ኣብ ስዑድያ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዝፍጽም ዘሎ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ምስ ስዑዳውያን ኣውፈርቲ እውን ዘትዩ ኣሎ።

Categories