ኣብ ንኡስ ዞባ ገልዓሎ – ምምሕዳር ከባቢ ባዳ፡ ተሳታፍነት ተመሃሮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ እናዓበየ ይመጽእ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ርእሰ-መምህር መባእታን ማእከላይን ደረጃ ልዒን-ባዳ መምህር ዓብዱ ዓብደላ፡ እታ ቤት-ትምህርቲ ኣብ 1997 ብውሑድ ቁጽሪ ስራሓ ከምዝጀመረት፡ ንቕሓት ሕብረተሰብ ንምብራኽ ብዝተኻየደ ጐስጓሳት ድማ ቁጽሪ ተመሃሮ በብዓመቱ ዕብየት እናመዝገበ ስለዝመጸ፡ እታ ቤት-ትምህርቲ ኣብ ዓመተትምህርቲ 2017/2018 ናብ ማእከላይ ደረጃ ከም እተሰጋገረት ሓቢሩ።

ብዝተፈላለየ ምኽንያት ትምህርተን ኣቋሪጸን ዝጸንሓ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ዳግማይ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ተመሊሰን፡ ንዝተኸፍተለን ዕድል ብግቡእ ይጥቀማሉ ከምዘለዋ ጠቒሱ ድማ፡ ንተራ ኮሚቴ ወለዲ ሞጒሱ።

ቤት-ትምህርቲ መባእታን ማእከላይን ደረጃ ልዒን-ባዳ፡ ንዓድታት እንገልዔላን ቦለሊን፡ ከምኡ’ውን ንምምሕዳር ከባቢ ኣልሓ-ረጋሊን ካልኦት ከባቢታትን ኣገልግሎት ትህብ።

Categories