ኣማኻሪ ፕረዚደንት – ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ብሰሉስ 9 ሚያዝያ፡ ንኤርትራውያን ተቐማጦ ሪያድን ከባቢኣን ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገርን ዞባዊ ምዕባለታትን ዘተኰረ ሰሚናር ኣካዪዱ።

ኣቶ የማነ፡ ንገዛእትን ዘራያቶምን ስዒሩ ኣብ 1991 ናጽነቱ ዝተጐናጸፈ ህዝቢ ኤርትራ፡ ድሕሪ ናጽነት ብፍላይ ድማ ካብ 1998፡ ንልኡላውነቱ ዒላማ ዝገበረ ቅሉዕ ወተሃደራዊ ወራራት፡ ቁጠባዊ ሽርሕታት፡ ከምኡ’ውን መንእሰያት ኤርትራ ካብ ሃገር ከምዝፈልሱ ንምግባር ዝዓለመ ከቢድ ውዲታት ከምዘጋጠሞ፡ እንተዀነ ብሓያል ናይ መኸተን ምጽማምን ባህሉ፡ ንኹሉ ብንቕሓት መኪቱ ኣላሽ ብምባል፡ ኣብ 2018 ብዓወት ከምዝወጸ ገሊጹ።

ሕጂ’ውን፡ ጸላእትና ዋላ’ኳ ተሳዒሮምን ተዳኺሞምን እንተኾኑ፡ ድኹም ውዲታትን ተጻብኦታትን ከምዘየቋርጽ፡ ነዚ ኣቲናዮ ዘሎና ሓድሽ መድረኽ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምዝራግ ዝግበር ሽርሕታት ከምዘሎ ኣረዲኡ። “ከይተገራህናን ኣብ ናይ ማዕከናት ዜና ምትህልላኽን ትርኽን ከይተጸመድናን፡ ከምቲ ልሙድ – ሓድነትና ኣትሪርና ብወሕሉልን ዓቃልን ኣገባብ ክንብድሆን ክንስዕሮን ምዃንና ዘጠራጥር የለን።” ድማ ኢሉ።

ኣቶ የማነ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም፡ ምኽባር ልኡላውነት ክልቲአን ሃገራት፡ ምድንፋዕ ቁጠባዊ፡ ባህላውን ማሕበራውን ዝምድናታትን ምትሕብባርን፡ ምውሓስ ዞባዊ ጸጥታን ምምልላእን፡ ነቲ ብኮሚሽን ዶብ ዝተበየነ ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ምትግባር ዝዓለመ ምዃኑ፡ መንግስቲ ኤርትራ – ዘላቒ ሰላምን ምርግጋእን ብዘስፍን ኣገባብ ብዕቱብ ዝሰርሓሉ ዘሎ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቲ ብሰንኪ እልቢ ዘይብሉ ተጻብኦታት ተዳኺሙ ዝጸንሐ ቁጠባዊ ዓቕሚ ንምሕያልን ኣፍራይነት ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ንምዕባይን፡ ቀዳምነት ሰሪዑ – ኣብ ትሕተ-ቅርጻን ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብን ዓበይቲ ፕሮጀክታት ኣበጊሱ ከምዘሎ’ውን ገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ፡ ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐረበ ሕቶታት መሊሱ።

Categories