ጨንፈር ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ ዞባ ማእከል፡ ብ20 መጋቢት ኣብ ኣስመራ ምስ ኣመሓዳርቲ ንኡሳን ዞባታትን ሓለፍቲ ዝተፈላለያ ኣካላትን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ብዛዕባ ምርባሕ ዓሳታት ኣብ ጥዑም ማይ ዘትዩ።

ሓላፊ’ቲ ጨንፈር ኣቶ ኤሳው ትኩእ፡ ኣብ 2018 ኣብ ምርባሕን ምግፋፍን ዓሳታት ብዛዕባ ዝተሰላሰለ መደባት፡ ዝተዋህበ ስልጠናታት ከምኡ’ውን ኣብ መስርሕ ዝተራእየ ብልጫታትን ድኽመታትን ዝርዝራዊ ሓበሬታ ሂቡ።

ኣብ ዞባ ማእከል ኣብ 33 ዲጋታት ዓሳ ናይ ምርባሕ ፈተነ ከም እተኻየደን ጽቡቕ ውጽኢት ከምእተረኽቦን ዝጠቐሰ ኣቶ ኤሳው፡ ሕብረተ-ሰብ ብሓፈሻ መንእሰያት ድማ ብፍላይ፡ ኣብ ጥዑም ማይ ዓሳታት ምርባሕ ዘለዎ ረብሓ ተገንዚቦም፡ ኣብ ምዕዋት’ቲ መደብ ብዝለዓለ ክነጥፉ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ’ቲ ጨንፈር ሓላፊ ኣሃዱ ብቕዓት፡ ምርምርን ፍቓድ ዋኒንን ኣቶ ዮናታን ኣፈወርቂ ድማ፡ ኣብ ጥዑም ማይ ዝካየድ ንጥፈታት ምርባሕ ዓሳ፡ መነባብሮ ስድራቤታት ኣብ ምምሕያሽን ውሕስነት መግቢ ኣብ ምርግጋጽን ዝህልዎ ኣበርክቶ ቀሊል ስለዘይኮነ፡ ብሰፊሑ ክድፋኣሉ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

ኣብ መወዳእታ፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ኣቶ ዘርኢት ተወልደብርሃንን ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ኣቶ ሃይለሚካኤል እዮብን፡ ዕላማ ናይ’ቲ መደብ፡ ቊጠባዊ ዓቕሚታት ስድራ-ቤታት ንምምሕያሽን ገጠራዊ ድኽነት ንምንካይን ምዃኑ ብምሕባር፡ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ከባቢኡ ዝርከብ ጸጋታት ማይ ምስ ከምኡ ኣተሓሒዙ ክጥቀመሉ ኣዘኻኺሮም።

Categories