ኣብ ዞባ ደቡብ ብዝሰላሰል ዘሎ ሕማም ዓባይ ሰዓል – ቲቢ ናይ ምግታእን ምፍዋስን ንጥፈታት፡ ተርእዮ’ቲ ሕማም ኣብ ምቁጽጻር ዘተባብዕ ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎ፡ ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ደቡብ ዶ/ር ኣማኑኤል ምሕረትኣብ ገሊጹ።

ብኣጋጣሚ መዓልቲ ምክልኻል ዓባይ ሰዓል፡ ብ21 መጋቢት ኣብ ከተማ ሰገነይቲ ምስ ሰራሕተኛታት ትካላት መንግስቲ፡ ተመሃሮን ነበርቲን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ዶ/ር ኣማኑኤል፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ተርእዮ ሓድሽ መልከፍቲ ሕማም ዓባይ ሰዓል የንቈልቊል ምህላዉ፡ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ካብቶም መድሃኒት ዝወስዱ ሕሙማት ድማ ከምዝሓወዩ ሓቢሩ።

ሕማም ዓባይ ሰዓል፡ ብዓለም ደረጃ ሓደ ካብቶም ሞት ዘስዕቡ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ምዃኑ ዝጠቐሰ ዶ/ር ኣማኑኤል፡ ግቡእ ሜላታት ምክልኻልን ፍወሳን እንተደኣ ተገይሩሉ ብቐሊሉ ክሓዊ ዝኽእል ምዃኑ ገሊጹ።

“ምፍዋስ ሕማም ዓባይ ሰዓል፡ ምግታእ ተርእዮታት ናይ’ቲ ሕማም እዩ” ድሕሪ ምባል ድማ፡ ዝኾነ ሰብ ምልክታት ናይ’ቲ ሕማም ምስ ዝስመዖ ብዝቐልጠፈ ናብ ትካል ጥዕና ብምኻድ ኩነታቱ ክፈልጥ፡ በቲ ሕማም ተለኺፉ ምስ ዝጸንሕ ከኣ፡ ብሰብ ሞያ ንዝእዘዘሉ መድሃኒት ከይቋረጸ ክወስዶ ኣዘኻኺሩ።

ሓላፊ ትካል ጥዕና ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ ነርስ ኣብርሃም ገብረኪዳን ድማ፡ ህዝቢ ጠንቅን ሳዕቤንን ሕማም ዓባይ ሰዓል ብዝግባእ ፈሊጡ ብንቕሓት ክከላኸሎ ብምልባው፡ ብፍላይ ኣብ ህዝባዊ ከባቢታትን ኣገልግሎት መጓዓዝያን መሳዂቲ ምኽፋት፡ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ኣገዳሲ ሜላ ምክልኻል ከምዝኾነ ኣገንዚቡ።

ሕማም ዓባይ ሰዓል፡ ብባክተርያ ዝመጽእ ሓደ ካብ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኮይኑ፡ ኣብ ሃገርና ንሕሙማት ዝግበር ፍወሳ፡ ምሉእ ብምሉእ ብመንግስቲ እዩ ዝሽፈን።

Categories