ኣህጉራዊ መዓልቲ ‘ዳውን ሲንድሮም’ – 21 መጋቢት፡ “ዝኾነ ሰብ ኣብ ድሕሪት ኣይነትርፍ” ብዝብል ኣህጉራዊ ቴማ፡ ብዝተፈላለየ ንጥፈታት ተዘኪራ።

ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ መደብ፡ ኣቦ-መንበር ማሕበር ኣእምሮኣውን ምዕባሌኣውን ስንኩላን ኤርትራ ሌተና ኮሎኔል ብርሃነ በዂረጼን፡ እታ ዕለት ብደረጃ ዓለም ንመበል 11 ግዜኣ፡ ብደረጃ ሃገር ድማ “ኣሰልጥኑኒ – ኣስርሑኒ” ብዝብል ቴማ ን3ይ ግዜኣ ትዝከር ምህላዋ ሓቢሩ።

ኣብ ልዕሊ ምስ ‘ዳውን ሲንድሮም’ ዝነብሩ ዜጋታት ኢንታን ተነጽሎን ንምውጋድ፡ ከምኡ’ውን ግቡእ ኣጠማምታን ኣተኣላልያን ከም ባህሊ ንምስራጽ፡ ሓያል ጻዕርን ግዜን ዝሓትት ምዃኑ ዝጠቐሰ ሌተና ኮሎኔል ብርሃነ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ዘለዎም ዕቑር ዓቕሚ ብምዂስኳስን ብምምእዛንን፡ ሞያን ክእለትን ወኒኖም ኣፍረይቲ ንክኾኑ፡ ናብዮትን ወፍሪን ናይ መላእ ሕብረተ-ሰብ ከምዘድሊ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ዋና ትካል ጽርበት ሓጺንን ዕንጸይትን ዓዲ-ጓዕዳድ ኣቶ የዕብዮ ጸጋይ፡ ንሰለስተ ምስ ‘ዳውን ሲንድሮም’ ዝነብሩ ዜጋታት ስልጠና ክህብ ምዃኑ ቃል ከምዝኣተወ ክሕበር እንከሎ፡ ካልኦት ወነንቲ ትካላት ተመሳሳሊ ተበግሶታት ክወስዱ መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

እቲ መደብ፡ ነቲ ዕለት ብዘንጸባርቕ መሰናድኦታትን ውድድር ሓፈሻዊ ፍልጠትን ዝተሰነየ ነይሩ።

‘ዳውን ሲንድሮም’፡ ኣብ ፈለማ እዋን ድቂ ብዘጋጥም ናይ ‘ክሮሞዞም’ ጸገም ዘጋጥም ምዃኑ ዝሕብሩ ክኢላታት፡ ሓደ ንቡር ሰብ 23 ካብ ኣዲኡ 23 ድማ ካብ ኣቦኡ ዝወርሶም 46 ክሮሞዞም ክህልዎ እንከሎ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት 47 ክሮሞዞም ምስ ዝህልዎ ዝኽሰት ከምዝኾነ ይገልጹ።

Categories