ኣብ መላእ ሃገር፡ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ዘተኰሩ ሰሚናራት ይካየዱ ኣለዉ። ትማሊ 22 መጋቢት ኣብ ዞባታት ማእከል፡ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ደቡብን ጋሽ-ባርካን ተኻዪዶም።

እቲ ብላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን ዝተኻየደ ሰሚናራት፡ ብቐንዱ ተኣትዩ ኣብ ዘሎ ሓድሽ መድረኽ ሰላምን ኣብ 2019 ብመንግስቲ ቀዳምነታት ተዋሂብዎም ዘለዉ ልምዓታዊ መደባትን ዘብርህ’ዩ።

እቶም ሰበ-ስልጣን ኣብ መግለጺኦም፡ እዚ ሓድሽ ናይ ሰላም መድረኽ፡ ሳላ ጽንዓትን ሓያል መኸተን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ከም እተረጋገጸ ብምጥቃስ፡ ውጽኢት ፖለቲካዊ መስመር፡ ንጹር ራኢ፡ ከምኡ’ውን ሓያል ህዝብን ግንባርን ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ኣብ’ቲ ሰሚናራት፡ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፡ ካብ ግሉጽ ወተሃደራዊ ወራር ክሳብ ዘይፍትሓዊ እገዳ ዝዝርጋሕ ተጻብኦ፡ እንተላይ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማሲያውን ዜናውን ሽርሕታት ከምዘጋጠማ፡ ዕላማ ናይ’ዚ ድማ፡ ልኡላውነት ኤርትራ ብምድፋር፡ ንህዝቢ ኤርትራን መንግስቱን ንምብርካኽ ምንባሩ ብምግላጽ፡ ዓመተ 2018፡ ህዝቢ ኤርትራ ብረዚን ቃልሱን ተሪር መኸተኡን ዓወት ዘረጋገጸላ ታሪኻዊት ዓመት ምንባራ፡ እዚ ዘለናዮ መድረኽ ድማ፡ ንኹሉ ዝተጸመመን ዝተጻወረን ዜጋ፡ ናይ ሓበን፡ ኩርዓትን ሞጎስን እዋን ከምዝኾነ ገሊጾም።

ንሳቶም ኣስዒቦም፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ሃገርናን ኣብ ዞባ ቀርኒ-ኣፍሪቃን ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ሰላም መድረኽ፡ ምስ ኩሉ ብድሆታቱ፡ ብዙሕ ዕድላትን ብልጫታትን ንህዝብታት’ቲ ዞባ ፈጢሩ ከምዘሎ ድሕሪ ምሕባር፡ “ንሕና ከም ሃገር ኣብዚ መድረኽ’ዚ፡ ናይ ዜጋታት ጠለባት እተማልእ፡ ሓያል፡ ብልጽግቲ፡ ነጻ፡ ኣብ ዞባን ዓለምን ግቡእ ተራኣ እተበርክት ሃገር ምህናጽ፡ ናይ ቀዳምነታት ቀዳምነት ምዃኑ ኣረዲኦም።

ብዘይካ’ዚ፡ መጻእቲ ወለዶታት ኣብ ርጉእ ፖለቲካዊ ሃዋህው ክነብሩ እንተኾይኖም ምህናጽ ሓያል ቁጠባ ኣገዳሲ ከምዝኾነ፡ ሓያል ቁጠባ ንምህናጽ ድማ፡ ውሑስ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ምስፋሕን ምርግጋጽን፡ ምህናጽ ምዕቡል ትሕተ-ቅርጺ ጽርግያታት፡ ምስፋሕ ወደባትን ተወዳደርነቱ ምዕባይን፡ ምምዕባል መራኸቢታት፡ ምዕባይ ረስናዊ ምንጭታት ጸዓት፡ ሃብቲ ዓሳ፡ ፍርያት ሕርሻ፡ ምስናዕን ምምሃዝን፡ ከም መደብ ተታሒዙ ይስራሓሉ ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ብኻልእ ወገን፡ ኤርትራ ካብ ሓርነታዊ ቃልሲ ዝጀመረ “ምፍጣር ዞባዊ ሰላምን ሽርክነትን” ካብ ዝብል መትከል ዝነቅል፡ ምስ ጎረባብታ ሃገራትን መሻርኽቲ ሓይልታትን ድልዱል ዝምድና ኣብ ምፍጣር ከምእትርከብ ዝገለጹ’ቶም ሰብመዚ፡ ብፍላይ ዞባዊ ሰላምን ሽርክነትንንምዕዛዝ ምቕሉል ተራኣ ትጻወት ምህላዋ ብምንጻር፡ ምስ ኢትዮጵያ፡ ሶማልያ፡ ኬንያ፡ ደቡብ ሱዳንን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ዘተኰሩ ጉዳያት ብሓባር ንምዕያይ ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ንሳቶም ብተወሳኺ፡ ኤርትራ፡ ምስ ኢትዮጵያ ይኹን ሃገራት ናይ’ዚ ዞባ እትገብሮ ዝምድናታት ይኹን ስምምዓት፡ ንሉኣላውነታን መሬታዊ ሓድነታን ከምኡ’ውን ባሕራውን ኣየራውን ግዝኣታ ዘኽብርን ኣብ ንጹር ኣህጉራዊ ሕጋጋትን ኣገባባትን ዝተመርኰሰ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ሃገርና፡ ኣብ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካውን ድሕነታውን ዝምድናታትን ሽርክነትን ተጠርዩ ብዘሎ ዓቕሚ፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝሓሸ ከምእንርከብ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ሰላም ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ድማ፡ ዓቕምታትና ብምውህሃድ ኣብ ልምዓታዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ጽላታት ከምኡ’ውን ኣብ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማሲያውን ዜናውን ስራሓት ዓበይቲ መደባት ተታሒዞም ከምዘለዉ ገሊጾም።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ 2019ን 2020ን – ምስራሕን ምስፋሕን መስመራት ጽርግያ፡ ምምስራሕ ጸባ፡ ስጋን ዓሳን፡ ምውዳድ መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት፡ ምውሓስ ቀረብ ማይ ሰብን ጥሪትን፡ ምስሳን ሃብቲ እንስሳ፡ ምስፋሕን ምምዕባልን ወደባት ዓሰብን ባጽዕን፡ ምዝዛም ዲጋ ጋሕቴላይ፡ ምስፋሕ ሞያዊ ስልጠናታት፡ ምጅማር ምህናጽ ኣባይቲን ምምዕባል ስርዓት ሃገራዊ ኣገልግሎትን፡ ካብቶም ተታሒዞም ዘለዉ ዓበይቲ መደባት ምዃኖም ኣረጋጊጾም።

ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ምስ ህልው ምዕባለታት ሃገር ተኣሳሲሩ፡ ንህዝቢ እዋናዊ ሓበሬታን ሰሚናራትን ኣብ ግዜኡ ክወሃብ፡ ሕቶ መንበሪ ኣባይቲ ካብቶም መሰረታውያን ጠላባት ስለዝኾኑ ዝያዳ ጠመተ ክወሃቦ፡ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ዘጋጥሙ ጸገማት ክልለዩን ንምፍዋሶም ስጒምቲ ክውሰድን፡ ዝብሉን ካልኦትን ሕቶታት ኣቕሪቦም።

እቲ ሰሚናራት፡ ኣብ ዞባ ማእከል ብጸሓፊ ህግደፍ ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ-ስዒድን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብን፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ብሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር ኣቶ ወልደንኪኤል ኣብርሃ፡ ኣብ ዞባ ጋሽባርካ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ድማ ብሓላፊ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ብርጋዴር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ’ዩ ተኻዪዱ።

ተመሳሳሊ ሰሚናራት፡ ሎሚ ቀዳም ኣብ ከረንን ባጽዕን፡ ድሕሪኡ ድማ ኣብ ኩለን ሚኒስትሪታት፡ ምምሕዳራትን ካልኦት ኣካላት መንግስትን ክካየድ’ዩ።

Categories