ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ መስርሕ ምጥርናፍ ዓድታት ኣብዚ ዓመት’ዚ፡ ምምሕዳራት ንኡሳን ዞባታት ቀዳምነት ክህባኦ ብዝተዋህበ መምርሒ፡ ጽቡቕ ገስጋስ የርኢ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ኣብ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ኣስማጥ፡ ብሰንኪ ዘይምጥርናፈን ካብ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ተሓሪመን ዝጸንሓ ልዕሊ 21 ዓድታት፡ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ኣስማጥ፡ ሸጋሊ፡ ሃውሽ፡ ኣስነዳ፡ እምበልዳይ፡ እሮታን ጃኒን ተጠርኒፈን ኣለዋ።

ብጸሓያዊ ጸዓት ዝሰርሕ ኣገልግሎት ማይ ይረኽባ ከምዘለዋን ኣብ ኩለን፡ ካብ መዋእለ-ህጻናት ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ዘገልግላ 26 ኣብያተ-ትምህርቲ ከምዘለዋአንን፡ መደባት ትምህርቲ ንዓበይቲ እውን ኣብ 37 ነቝጣታት ይወሃብ ከምዘሎ – ሓላፊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ኢብራሂም ማሕሙድ ሓቢሩ።

ክጥርነፋ ካብ ዝግብአን ልዕሊ 7,600 ስድራ-ቤታት፡ እተን 4,500 ከም እተጠርነፋ ዝሓበረ ኣቶ ኢብራሂም ማሕሙድ፡ ምምሕዳራት ከባቢ ሻካ-ወግሬት፡ ኤራን ገለ ዓድታት ምምሕዳራት ከባቢ ሃውሽን ሸጋሊን፡ ጉዳይ ዝስተ ማይ ስለዘይተፈትሐ፡ መስርሕ ምጥርናፈን ከም ዘይተጀመረ ገሊጹ።

ኣብ መዳይ ጥዕና፡ ሓንቲ ማእከልን ሓንቲ መደበርን ጥዕና ጥራይ ከምዘለዋ፡ እዚ ድማ ምስ ዝርጋሐን ብዝሒን ህዝቢ ስለዘይመጣጠን፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ቈላሕታ ክገብር ተላብዩ።

ነበርቲ እውን፡ ሕጽረታት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣቓልቦ ክወሃቦ፡ መገብቲ መንገድታት ክጽረግ፡ ኣብ መስመር ከረን-ኣስነዳ ዝሕተት ዘሎ ታሪፍ መጐዓዝያ ተጸኒዑ – ገደብ ክግበረሉ ሓቲቶም።

Categories