ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ ሶማሊ-ላንድ ዘካየዶ ናይ ሰለስተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ – ትማሊ 20 መጋቢት ዛዚሙ።

ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ምስ ፕረዚደንት ሙሴ ቢሂ ዓብዲን ካልኦት ሰብ-መዚ ሶማሊ-ላንድን ኣብ ዝገበሮ ርክባት፡ ኣብ መስርሕ ሰላም፡ ዕርቂ፡ ምዕባለን ውህደትን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሰፊሑ ዘትዩ።

ልኡኽ ኤርትራ ኣብ መወዳእታ ዑደቱ፡ ብመንግስትን ህዝብን ሶማሊ-ላንድ ንዝተገብረሉ ምዉቕ ኣቀባብላን እንግዶትን ምስጋና ኣቕሪቡ።

ልኡኽ ኤርትራ፡ ብ18 መጋቢት እዩ ከተማ ሃርጌሳ ኣትዩ።

Categories