ህዝቢ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ፡ ተጀሚሩ ዘሎ ምዕዳል መሬት ጤሳ፡ ግቡእ መስርሑ ተኸቲሉ ክቕጽል፡ ምስ ኣባላት ባይቶ ዞባ ማእከል ኣብ ዝገበሮ ርክብ ጸዊዑ።

ብ17 መጋቢት ምስ ነበርቲ ኣርባዕተ ምምሕዳራት ከባቢ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ፡ ኣባላት ባይቶ፡ ውጽኢት ናይ’ቲ ባይቶ ዞባ ብ30 ጥሪ ዘካየዶ መበል 18 ስሩዕ ኣኼባ መብርሂ ሂቦም።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ምዕዳል ጤሳ፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ብሓፈሻ ኣብ እምባደርሆ ድማ ብፍላይ ዝትግበረሉ ኣገባብ ክቀላጠፍ ሓቲቶም።

ኣብ 2018 – ኣብ ብዙሓት ዓድታት ከም እተዓደለ፡ ኣብ ገሊአን ድማ ዘድሊ ምጽራይ ምስ ተገብረ ክዕደል ምዃኑ፡ ሓበሬታ ጨንፈር ሚኒስትሪ መሬት ዞባ ማእከል የነጽር።

በዚ መሰረት፡ ዓድታት እምባደርሆ፡ ዓዲ ጂን፡ ወኪ፡ ደቕሰብ፡ ኳንደባ፡ ዑና-ናላይን ምድሪ-ዛውልን፡ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ክዕደላ መደብ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

Categories