“ንኣድማዕነት ውጽኢት ክታበት ብሓባር ንስራሕ” ብዝብል ቴማ፡ ኣስመራ ከተአንግዶ ዝቐነየት ዓመታዊ ኣኼባ ኣካየድቲ ስራሕ መደባት ክታበት – ሃገራት ዞባ ምብራቓውን ደቡባውን ኣፍሪቃ፡ ትማሊ 20 መጋቢት ተዛዚሙ።

ኣብ’ቲ ካብ 20 ሃገራት ዝተወከሉ ኣካየድቲ መደባት ክታበት፡ ወከልቲ ዝተፈላለያ ኣህጉራውያን ውድባትን ትካላት መጽናዕትን ዝተሳተፍዎ – ንሰለስተ መዓልታት ዝቐጸለ ኣኼባ፡ ዞባዊ ስትራተጂካዊ ውጥን ምምዕባል ነብሰ-ተጻውሮ ንሕማማት፡ ኩነታት ትግባረ መደባት ክታበትን ዞባዊ ውጥን ምምዕባል ነብሰ-ተጻውሮ ንሕማማትን፡ ምስፋሕ መደባት ክታበትን ገስጋሱ ብመንጽር ዕድላትን ብድሆታትን፡ ተራ ኮም ኣብ ዘላቕነት ጠለባት ምምዕባል ነብሰ-ተጻውሮ ንሕማማት፡ ምትእትታው ሓደስቲ መደባት ክታበትን ምዕቃብ ኣብ ሸፈነ ክታበት ዝተመዝገበ ዓወታትን ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ብሰፊሑ ተዘትዩ።

ብተወሳኺ፡ ንዕብየት ሸፈነ ክታበትን ምርግጋጽ ቅኑዕ ኣሰራርሓን፡ ገምጋም ክታበት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክታበት ኣብ ግጭታት ዘለዎ ከባቢታት፡ ክታበት ኢቦላ ኣብ ኡጋንዳ፡ ምድላዋት ክታበት ዓሶ ኣብ ማላዊ፡ ኣብ ምክልኻል ሕማም ፖልዮ ዝተመዝገቡ ዓወታት፡ ተርእዮ ንፍዮ ኣብ ማዳጋስካር፡ ንሮታ ቫይረስ ኣብ ቦትስዋናን ብጫ ረስኒ ኣብ ኢትዮጵያን ካልኦት ዛዕባታትን ዘብርህ መግለጺታት ቀሪቡ።

ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት – ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ሃገርን ብዞባ ደረጃን ቀዳምነት ኣብ ዝወሃቦም መደባት ክታበት፡ ተክኒካውን ሞያውን ርእይቶታት ተለዋዊጦም።

ጐድኒ-ጐድኒ’ቲ ኣኼባ፡ ኣብ ምድልዳል ስርዓተ-ሓበሬታ ጥዕና ብሓፈሻ ኣብ መደባት ክታበት ድማ ብፍላይ ዘተኰረ – ምስ ስርዓተ-ሓበሬታ ኣብ ዝተኣሳሰር ስራሓት ንዝነጥፉ ተሳተፍቲ ስልጠና ተዋሂቡ።

Categories