ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ – 8 መጋቢት፡ “ሰላም ውጽኢት ጽንዓትና፡ ልምዓት ፍረ ዕዮና!” ብዝብል ቴማ፡ ኣብ መላእ ሃገር ብኽብ ዝበለ መዓርግ ተዘኪራ።

ኣብ ኣስመራ – ኣዳራሽ ኤክስፖ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ፕረዚደንት ሃማደአ ወ/ሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤል፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ፡ ሚኒስተራትን ካልኦት ሰበ-ስልጣን መንግስትን፡ ከምኡ’ውን ዲፕሎማሰኛታትን ወከልቲ ኣህጉራውያን ውድባትን ተረኺቦም ነይሮም።

ኣደ-መንበር ሃማደኤ ዞባ ማእከል ወ/ሮ ኣለም በላይ፡ ናይ ሎሚ ዓመት 8 መጋቢት፡ ኩነተ ኣይሰላም-ኣይኲናት ኣኽቲሙ ናብ ትስፉው መድረኽ ሰላም ኣብ እንሰጋገረሉ ዘሎና እዋን ትበዓል ብምህላዋ ፍሉይነት ከምዘለዋ፡ በቲ ካልእ ድማ ረዚን ሓላፍነት ህንጸት ሃገር ከምእተሰክም ብምሕባር፡ ኣበርክቶ ደቂ-ኣንስትዮ ዝያዳ ክዓዝዝ ኣዘኻኺራ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ፡ ደቂ-ኣንስትዮ – ኣብ ዝሓለፈ መድረኻት ብግብሪ ዘመስከራኦ ተሳትፎን ተወፋይነትን፡ ኣብዚ ተኣትዩ ዘሎ ሓድሽ መድረኽ እውን ብዝለዓለ ከምዝደፍኣሉ ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

ኣወሃሃዲት ኣብያተ-ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ፡ ሚስ ሱዛን ንጎንጊ ድማ፡ ቃልሲ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ንማዕርነትን ዝተጐናጸፋኦ ዓወታትን ብኣብነት ዝጥቀስ ምዃኑ ኣረጋጊጻ።

ብደረጃ ዞባ ዓንሰባ ኣብ ሓልሓል ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ድማ፡ ኣደ-መንበር ሃማደኤ ኣብ’ቲ ዞባ ወይዘሮ ኣምና ሓሰን፡ ደቂ-ኣንስትዮ ብቑዕ ሞያን ፍልጠትን ዓጢቐን ኣብ ኩሉ ንጥፈታት ሃገር ዝድለ ኣበርክቶ ንኽገብራ፡ ማሕበር ይሰርሓሉ ከምዘሎ ገሊጻ።

ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ እውን፡ ኣብ ሓውሲከተማ ፎርቶ-ሳዋ ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ስነ-ስርዓት፡ ኣደ-መንበር ሃማደኤ ኣብ’ቲ ዞባ ወይዘሮ ይሕደጋ ዮውሃንስ፡ እቲ ዘሐብን ፖለቲካዊ ባህልና ብስራሕ ተደሪዑ፡ ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ መደባት ልምዓት ኣብ ምዕዋት ተራኣ ዳግም ከተጒልሕ ኣዘኻኺራ።

Categories