ኤርትራውያን ነበርቲ ሱዳን፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ኣውስትራልያን፡ ንጥፈታት ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ኣሰላሲሎም።

ኤርትራውያን ነበርቲ ካርቱምን ከባቢኣን፡ ብ1 መጋቢት፡ ኣፍልጦኦም ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገርን ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያትን ዘዕቢ ሰሚናር ተዋሂቡዎም።

ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሱዳን፡ ኣቶ ኢብራሂም እድሪስ፡ ኣብ ዞባና ንፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቊጠባውን ዕብየት ዝድርኽ እወታዊ ለውጥታት ይርአ ከምዘሎ፡ ኣብ’ዚ ድማ ህዝቢ ኤርትራን መንግስቱን ዓቢ እጃም ከምዘለዎም ገሊጹ።

ኣባላት ጨንፈር ሃገራዊ ማሕበር ደቂኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲን ኦሃዮን – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ብ2 መጋቢት ዝኽሪ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ጸምቢለን።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ መልእኽቲ ሃማደኤ ክንበብ እንከሎ፡ መሓዙት ማሕበራት እውን ናይ ደገፍ መልእኽቲ ኣቕሪበን።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብተመሳሳሊ፡ ካብ 11 ከተማታት ዝተኣኻኸባ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ዝተሳተፋሉ፡ ዝኽሪ 8 መጋቢት – ብ3 መጋቢት ኣብ ከተማ ለንደን ብድምቀት ተጸምቢላ።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ሰሜን ኣየርላንድን፡ ኣቶ እስቲፋኖስ ሃብተማርያም፡ ንዕዙዝ ተሳታፍነትን ኣበርክቶን ኤርትራዊት ጓልኣንስተይቲ ኣብ ኩሉ መድረኻት ቃልሲን ህንጸትን ሃገር ዘኪሩ።

ኣብ ከተማታት መልበርንን ፐርዝን – ኣውስትራልያ ዝነብሩ ዜጋታት፡ ብምኽንያት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂኣንስትዮ ኣብ ዘካየዱዎ ጽምብል ድማ፡ ጠቕላሊ ቈንስል ኤርትራ ኣብ’ታ ሃገር፡ ኣቶ መሓሪ ተኸስተ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ተኣትዩ ዘሎ ትስፉው መድረኽ ንምብጻሕ፡ ተወፋይነትን ተጻዋርነትን ዝመለለዪኡ ኣበርክቶ ደቂ-ኣንስትዮ ጒሉሕ ምዃኑ ኣረዲኡ።

Categories