ኣብ መስመር ሰገነይቲ – ዓዲ-ቐይሕ – ሰንዓፈ ዝካየድ ዘሎ ናይ ምግፋሕን ምጽጋንን ንጥፈታት ጽቡቕ ይቕጽል ከምዘሎ፡ ኣብቲ ስራሕ ተዋፊሮም ዘለዉ ኣባላት ኩባንያ ህንጻ ‘ኣስቤኮ’ ገሊጾም።

ነቲ ስራሕ ዝከታተል ዘሎ ኢንጅነር ሱሌማን ዓብዱ፡ ካብ ድግሳ ንንየው ኣስታት 40 ኪሎ-ሜተር ዝህነጽ ዘሎ ደጋፊ መንደቕ፡ 90 ሚእታዊት ከምእተዛዘመ፡ ምግፋሕ ጽርግያ እውን ጐድኒ-ጐድኑ ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሩ።

እቲ ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ዝትግበር ዘሎ ፕሮጀክት፡ ደገፍቲ መናድቕ ምህናጽን ብውሕጅ ዝተባሕጎጐ ምጽጋንን ምግፋሕን ምዃኑ ድማ ገሊጹ።

ኣብ 25 ኪሎ-ሜትር ዝንውሓቱ ጽርግያ ዓዲ-ቐይሕ – ሰንዓፈ ክስራሕ ዝጸንሐ ደጋፊ መንደቕ፡ ምሉእ ብምሉእ ከም እተዛዘመ፡ 7 ሜትሮ ንዝነበረ ናብ 20 ሜትሮ ናይ ምግፍሑ ዕማም ከኣ፡ ኣብ ደረጃ ምጽፋፍ ከምዝርከብ ተፈሊጡ።

ህዝቢ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ፡ ነቶም ኣብ’ቲ ስራሕ ዝነጥፉ ዘለዉ ናይ ጉልበት ሰራሕተኛታትን ኣባላት ኩባንያ ህንጻ ኣስቤኮን ንምትብባዕ፡ ብ26 ለካቲትን 2 መጋቢትን ናይ ምሳሕ እንግዶት ገይሩሎም።

Categories