መንእሰያት ብኣካዳሚን ሞያን ሰጒሞም መጻኢኦም ከውሕሱን መደባት ህንጸት ሃገር ከደንፍዑን ምእንቲ፡ ንጡፍን ንቑሕን ሱታፌኦም ከዕዝዙ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ዓሊ ማሕሙድ ኣዘኻኺሩ።

ብ1 መጋቢት ንተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ፡ መማህራንን ሰራሕተኛታት ትካላት መንግስትን ከተማ ከረን ኣብ ዝገበሮ ሰሚናር፡ ኣቶ ዓሊ፡ ንውፉይ ተራን ኣበርክቶን መንእሰያት ኣብ ምምጻእ ናጽነት፡ ምኽባር ልኡላውነትን ህንጸት ሃገርን ብምጥቃስ፡ ዘለናዮ ዘመን ዘመነ ሳይንስን ቴክኖሎጂ ሓበሬታን ብምዃኑ፡ ተራሕዩ ንዘሎ ናይ ትምህርቲ ዕድላት ብግቡእ ተጠቒሞም ተወዳደርቲ ክኾኑ ተላብዩ።

ጸሓፊ ህግደፍ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ረዘነ ኣዶናይ ድማ፡ ቀንዲ ጸጋ ሃገርና ሰብኣዊ ዓቕማ ምዃኑ፡ ነዚ ጸጋ’ዚ ብትምህርትን ሞያን ንምዕባይ – መንግስቲ ገዚፍ ወፍሪ ይገብር ከምዘሎ፡ እቶም በብዓመቱ ካብ ኮሌጃትን ሞያዊ ማእከላትን ዝምረቑ ዘለዉ መንእሰያት፡ ውጽኢት ናይዚን መሰረት ብሩህ መጻእን ከምዝኾኑ ኣረዲኡ።

Categories