ስንኩላን ርጉእ ህይወት ክመርሑ ኣብ ዝካየድ ጻዕሪ፡ ኣበርክቶ ሕብረተሰብ ክዓዝዝ ኣቦ-መንበር ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ – መምህር ገብረብርሃን እያሱ፡ ምስ ነበርቲ ንኡስ ዞባ ሽዕብ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ጸዊዑ።

ብ1 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ መምህር ገብረብርሃን፡ ስንኩላን ብውልቅን ማሕበርን ተጠርኒፎም ርእሶም ክኢሎም መነባብሮኦም ዘጣጥሑሉ ባይታ ንምውሓስ፡ ብመንግስቲ፡ ማሕበርን ኣብ ውሽጢን ወጻኢን ብዝነብሩ ግዱሳት ዜጋታትን፡ ንዋታውን ገንዘባውን ምድግጋፍ ከም ዝግበረሎም፡ እዚ ድማ ኣብ ምምሕያሽ መነባብሮኦም ዝምስገን ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ፡ ኣብ’ቲ ዝድለ ደረጃ ንኽበጽሑ ግን፡ ናይ ኩሎም ኣካላት መንግስትን ሕብረተሰብን ምድግጋፍ ክዓዝዝ ኣዘኻኺሩ።

ስንኩላን ብዝግበረሎም ሓገዝ፡ በብውልቂን ብጉጅለን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ይነጥፉ ከምዘለዉ ዝሓበረ መምህር ገብረብርሃን፡ ንስንኩላን ደቂኣንስትዮ ፍሉይ ግምት ተዋሂቡ፡ ብወለድ ዘይብሉ ልቓሕ – ኣብ ዝመረጻኦ ዓውዲ ዕዮ ክነጥፋ ከምዝጀመራ ሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሽዕብ ኣቶ ኣቡበከር ኢብራሂም፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ዝርከቡ ስንኩላን፡ ብሰንኪ ዘይምጥርናፎም ዝጥቀስ ንጥፈታት ከካይዱ ከምዘይከኣሉ ገሊጹ።

ተሳተፍቲ፡ ኩነታት ስንኩላን ንምፍላጥ ጽጹይ ሓበሬታ ክእከብ፡ ውዳበ ስንኩላን ዝሕይለሉ ባይታ ክፍጠር፡ ንኣስታት ሓሙሽተ ዓመት ኣቋሪጻ ዘላ ትካል ሕብስቲ ዳግመ-ግምት ክግበረላ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

Categories