ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ – ምምሕዳር ከባቢ ኵዶ-ፈላሲ፡ ን126 ኣዴታት ኣብ ጥዕና ዘተኮረ ስልጠና ተዋሂቡ።

እቲ ን5 መዓልታት ዝቐጸለ ስልጠና፡ ኣብ ጠንቅን ሳዕቤናትን ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ድሕነት ኣደን ዕሸልን ቅድምን ድሕሪን ሕርሲ፡ ኣገባብ ኣመጋግባ፡ ከምኡ’ውን ጽሬት ኣከባቢን ምስኡ ዝተኣሳሰር ዛዕባታትን ዘድሃበ እዩ።

ካብ ወደብቲ ናይ’ቲ ስልጠና ሲስተር ምሕረት ሓጐስ፡ ድሕነት ኣደን ዕሸልን ኣብ ምውሓስ እቲ ቀንድን መሰረታውን ንቕሓት ሕብረተ-ሰብ ብሓፈሻ፡ ናይ ኣደ ድማ ብፍላይ ክብርኽ ስለዝግብኦ፡ ዕላማ’ቲ ስልጠና ካብዚ ዝነቐለ ከምዝኾነ ኣረዲኣ።

ሰልጠንቲ፡ እቲ ኣጋጣሚ ብዙሕ ዘይፈልጣኦ ዝነበራ ክፈልጣ ከምዝሓገዘን ብምሕባር፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ትምህርቲ ብሰፊሑ ክስራሓሉ ተላብየን።

Categories