መደብ ውህለላን ንኡስ ልቓሕን – ‘መውል’፡ ዜጋታት ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ነጢፎም መነባብሮኦም ዘመሓይሹሉ ባይታ ንምፍጣር ዝህቦ – በብደረጃኡ ዝዓቢ ናይ ልቓሕ ዕድላት፡ ኣብ ማሕበረ-ቁጠባዊ መነባብሮ ዜጋታት እወታዊ ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ፡ ኣብ ከተማ ባረንቱ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ተገሊጹ።

ኣብ’ቲ ኣመሓደርቲ፡ ወከልቲ ‘መውል’ ኣብ ዞባታትን ናይ ስራሕ መሻርኽትን ዝተረኽቡሉ ኣኼባ፡ በብዓመቱ ዝረኣዩ ዘለዉ ናይ ስራሕ ለውጥታት፡ መጠን ዝዝርጋሕ ዘሎ ገንዘብ፡ ብዝሕን ዓይነትን ዓማዊል፡ ብድሆታት ኣብ ምምላስ ልቓሕን ካልኦት ጉዳያትን ዝርዝራዊ ጸብጻባት ቀሪቡን ብዕምቈት ተዘትዩሉን።

ዝዓበየ ብድሆ፡ ኣብ ምምላስ ልቓሕ ዝርአ ምድንጓይ ምዃኑ ክግምገም እንከሎ፡ ንምምሕያሹ ምስ ኣመሓደርቲ ከባቢን ዓድታትን ተወሃሂድካ ይስራሕ ከምዘሎ ድማ ተሓቢሩ።

ብደረጃ ሃገር ተዘርጊሑ ካብ ዘሎ ኣስታት 300 ሚልዮን ናቕፋ – እቲ ልዕሊ 150 ሚልዮን ናቕፋ፣ ካብ’ቶም ኣስታት 72 ሽሕ ዓማዊል ድማ – እቶም ልዕሊ 35 ሽሕ ዓማዊል፡ ኣብ ዞባ ጋሽባርካ ከምዝኾነ ኣብቲ ኣኼባ ተጠቒሱ።

ግዝያዊ ኣካያዲ ስራሕ ‘መውል’ ኣቶ ታፍላ ኣስመሮም፡ ካብ ጠቕላላ’ቲ ዝተዓደለ ልቓሕ – እቲ ኣስታት 54 ሚእታዊት ኣብ ሕርሻዊ መዓላ ከምዝወዓለ፡ ካብ’ዚ ግን እቲ ኣስታት 118 ሚልዮን ናቕፋ ጥራይ ከምእተመልሰ ኣረዲኡ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ፍስሃየ ሃይለ፡ ዝዝርጋሕ ገንዘብ ኣብ ግዜኡ እንተዘይ ተመሊሱ፡ ነቲ ትካልን ተረባሕቲ ዜጋታትን ብኣሉታ ስለዝጸሉ፡ ልቓሕ ናይ ምምላስ ባህሊ ንምብራኽ ብቐዳምነት ክስራሕሉ ኣዘኻኺሩ።

Categories