ማሕበረሰብ ቤት-ትምህርቲ 2ይ ደረጃ ድባርዋ፡ ገንዘቦምን ጉልበቶምን ብምውህሃድ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ዘካየዱዎ ወፍሪ ምግራብ፡ ኣብነታውን ክተባባዕ ዝግብኦን ስራሕ ምዃኑ፡ ክኢላታት ሕርሻ ገሊጾም።

እቶም ሞያውያን፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኣብታ ቤት-ትምህርቲ ኣስታት ክልተ ሽሕ ኣግራብ ተተኺሉ ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ ከምዝበጽሐ ሓቢሮም።

ርእሰ-መምህር ገብረእግዚኣብሄር በርሀ፡ ንጥፈታት ምግራብ፡ ብመማህራንን ተመሃሮን ብዝለዓለ ደረጃ ይቕጽል ምህላዉ፡ ቀጽሪ ዘይምህላውን ተርእዮ ፍልሖን ትሪ መሬትን ግዳ – ካብቶም ቀንዲ ብድሆታት ምዃኖም ኣገንዚቡ።

ተመሃሮ ብወገኖም፡ እቲ ካብ ቅድሚ ክልተ ዓመት ጀሚሮም ዘካየዱዎ ጻዕሪ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ውጽኢቱ ከምዘሐጐሶም ገሊጾም።

Categories