ኣብ ንኡስ ዞባ ማይ-ምነ፡ ኮም ኣብ ዝመርሖ ከባብያዊ ጽሬት፡ ንተመሃሮ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ጐስጓሳት ተኻዪዱ።

ወኪል ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ነርስ ሃብቶም ስብሓት፡ ጽሬት ምዝውታርን ንጹህ ኣከባቢ ምውናንን፡ ንልዕሊ 80 ሚእታዊት ተመሓላለፍትን ዘይተመሓላለፍትን ሕማማት ከምዝገትእ ብምሕባር፡ ተመሃሮ ጥዕናኦም ንምውሓስ ከባቢኦም ብስሩዕ ከጽርዩ ምዒዱ።

ኣባላት ኮሚተ ከባብያዊ ጽሬት፡ ተመሃሮ ባህሊ ምጽራይ ኣከባቢ ኣብ ሕብረተሰብ ንምስራጽ፡ ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ ኣዘኻኺሮም።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሕማም ዕቡድ ከልቢ – ብፍላይ’ኳ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ዳብረ ፈጢሩዎ ዘሎ ስግኣት ንምክልኻል፡ ኣድላዪ ስጒምቲ ክውሰድ ነበርቲ ጸዊዖም።

Categories