ባይቶ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ “ሰላም ብጽንዓት – ተውለ ንልምዓት” ብዝብል ቴማ፡ መበል 15 ምዱብ ኣኼባኡ ብ5 መጋቢት ኣብ ከተማ ባጽዕ ኣቃኒዑ።

ኣቦ-መንበር ባይቶ – ኣቶ ኢብራሂም ዓሊ ሼኽ፡ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ውጽኢት ሓያል ጽንዓትን መኸተን ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

“ብሰንኪ ተጻብኦታት ዝኸሰርናዮም ዕድላት፡ ብኹሉ-መዳያዊ ልምዓት ንምድባስ፡ ዓጸፋ ክንሰርሕ እንሕተተሉ እዋን’ዩ ተኣትዩ ዘሎ” ድሕሪ ምባል ኣቶ ኢብራሂም፡ ኣብ’ቲ ዞባ – ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ጽቡቕ ገስጋስ ከም እተመዝገበ፡ ኣብ ብቕዓትን ተሳታፍነትን ኣብ መኣዲ ትምህርቲን፡ ምስፋሕ መደባት ኮም ዝሰረቱ ከባቢያዊ ጽሬትን ግዳ – ጌና ኣብቲ ዝድለ ደረጃ ከም ዘይተበጽሐ፡ ስለ’ዚ ድማ ውሁድ ጻዕሪ ከምዘድሊ ኣገንዚቡ።

ባይቶ ኣብ’ቲ ናይ ሓደ መዓልቲ ኣኼባኡ፡ ኣብ ትሕተ-ቅርጻዊ ስራሓት፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት፡ ሕርሻ፡ ዕቃበ ሓመድን ማይን፡ ኣብ ምግራብ፡ ምስሳን ጥሪትን እንስሳ ዘገዳምን ከምኡ’ውን ኣብ ምምሕዳራዊ ጉዳያት ኣትኲሮም ዝቐረቡ ጸብጻባት ሰሚዑን ብዕምቈት ዘትዩሎምን።

ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ልብሱ፡ ህዝቢ ኣብ ምዕቃብ ሓመድን ማይን ደሊቡዎ ዘሎ ተመኵሮን ንቕሓትን ከሐይሎ ብምዝኽኻር፡ ኣብ’ቲ ዞባ ዘሎ ሕጽረታት ከከም ቀዳምነታቱ ክፍታሕ ምዃኑ ገሊጹ።

ባይቶ ኣብ መወዳእታ፡ ዕድል ትምህርቲ ኣብ ዘይረኸቡ ቈልዑ ጻዕሪታት ክካየድ፡ ንጉዳይ ተሳታፍነት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ትምህርቲን ኣብያተ-ትምህርቲን ብዝምልከት ኣቐዲሙ ዝወጸ ሕጊ ክትግበር፡ መደባት ምግራብን ሕዛእቲን ዝያዳ ኣተኵሮ ክወሃቦ ዝብሉን ካልኦትን ውሳነታትን ለበዋታትን ኣሕሊፉ።

Categories