ዝሓለፈ ዓመት ብውሕጅ ተበላሽዩ ኣብ ማሕበረ-ቁጠባዊ ንጥፈታት ህዝቢ ጸገማት ፈጢሩ ዝጸንሐ፡ ካብ መንደፈራ ብዓረዛን ማይ-ድማን ኣቢሉ ናብ ብሹኳ ዝኣቱ – ኣስታት 105 ኪሎ-ሜተር ናይ ሓመድ ጽርግያ ይጽገን ኣሎ።

እቲ ንምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ኣጸጋሚ ኮይኑ ዝጸንሐ መስመር፡ ብኩባንያ ህንጻ ብድሆ ብምሩጽ ሓመድ ተደግዲጉ ድሮ ከፊላዊ ኣገልግሎት ክህብ ከምዝጀመረ፡ ነቲ ስራሕ ዝከታተል ዘሎ መሃንዲስ በረኸት ተስፋሂወት ሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ናይ ጽገና ስራሕ ብርክት ዝበላ ማሽነሪታት ብምውፋር ኣብቲ ዝተመደበሉ ግዜ ምሉእ ብምሉእ ንምጽፋፉ ሓያል ጻዕሪ ይካየድ ከምዘሎ እውን ገሊጹ።

ብፍላይ ዓበይቲ ሩባታትን ጐቦታትን ዝበዝሖ ከባቢታት ዓዲራቕባን ሞልቊን ከምኡ’ውን ምእራይ በራውር – ከባቢ ዓረዛን ማይ-ድማን እቲ ዝኸበደ ክፋል ናይቲ ስራሕ ምንባሩ ዝጠቐሰ ቀያሲ ሓጐስ ሞሳዝጊ ድማ፡ እቲ መስመር ብሓፈሻ ንነዊሕ ዓመታት ጽገና ስለዘይተገብረሉ ንምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ከቢድ ብድሆ ኮይኑ ከምዝጸንሐ ኣረዲኡ።

ካብ በረኽቲ ጐቦታት ዝወርድ ደናጉላን ድበትን ቀንዲ ጠንቅታት ምብልሻው ናይቲ ጽርግያ ምዃኖም ጠቒሱ ድማ፡ ነዚ ተርእዮታት’ዚ ንምግታእ፡ ህዝቢ ማይ-ክዖታት ክዛሊን ብድበት ዝተዓብሱ ቢንቶታት ክጸርግን ኣተሓሳሲቡ።

መስመር መንደፈራ – ብሹኳ፡ ንዞባታት ደቡብን ጋሽ-ባርካን ዘራኽብ ሓደ ካብ ዓበይቲ ስትራተጅያዊ መስመራት ኮይኑ፡ ልዑል ቁጠባውን ማሕበራውን ኣገዳስነት ዘለዎ እዩ።

Categories