ኣብ ንኡስ ዞባ ሓመልማሎ፡ ሓያሎ ዓድታት ብሰንኪ ዘይምጥርናፈን ሕጽረት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ከምዘለወን ብምዝኽኻር፡ ምምሕዳር ዞባ ዓንሰባ – ንመስርሕ ምጥርናፍ ክደፍኣሉ፡ ነበርቲ 9 ምምሕዳራት ከባቢ ሓቲቶም።

ብ26 ለካቲት ምስ ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ዓሊ ማሕሙድ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ ርእሰ-ውጥን ምምሕዳራት ከባቢ ብዕቱብ ክስራሓሉ፡ ዋሕዲ ዝስተ ማይ ፍታሕ ክናደየሉ፡ ኩነታት ዲጋ ከባቢ በያን መጽናዕቲ ክግበረሉ፡ መራኸቢታት ዝመሓየሸሉ ኩነታት ክፍጠር እውን ኣዘኻኺሮም።

ኣቶ ዓሊ ማሕሙድ፡ ዘለዎም ሃብታም ተመኲሮ ሕርሻ ተጠቒሞም፡ ንጸጋታት ማይን መሬትን ሩባ ዓንሰባ ኣብ ረብሓኦም ከውዕልዎ ድሕሪ ምልባው፡ ምምሕዳር ዞባ ኣብዚ ዓመት’ዚ ነቲ ዝተጠቕሰ ጸገማት ከቃልሎ ክጽዕር ምዃኑ ገሊጹሎም።

ኣመሓዳሪት ንኡስ ዞባ ሓመልማሎ ወይዘሮ ዓሻ ዓሊ-ኖር፡ ኣብ ሓውሲ ከተማ ሓመልማሎ፡ ከባቢታት ገንፈሎም፡ ዝሮንን ፍለዳርብን መስርሕ ርእሰ-ውጥን 80 ሚእታዊት ከም እተዛዘመ፡ ናይ ዝተረፋ 5 ከባቢታት ግን ዛጊት ከምዘይተጀመረ ገሊጻ።

Categories