ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታን ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን፡ ብ3 መጋቢት ኣብ ኣስመራ ስሉሳዊ ርክብ ኣካዪዶም።

ኣብ ቤተ-መንግስቲ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ – ሰለስቲኦም መራሕቲ፡ ኣብ ዝምድናታት ሃገራቶም፡ እዋናዊ ዞባዊ ጉዳያት፡ ከምኡ’ውን ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ምዕባለታት ዘትዮም።

ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታን ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን፡ ኣብቲ ዕለት’ቲ ቅድሚ ቐትሪ እዮም ኣስመራ ኣትዮም።

ክልቲኦም መራሕቲ፡ ኣብ ናይ ፍርቂ ሰዓት ፍልልይ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝኣተዉሉ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብናይ ክብሪ ሰልፊ ዝተዓጀበ ኣቀባብላ ገይሩሎም።

ኣብ’ቲ ናይ ምቕባል ስነ-ስርዓት፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ተረኺቦም ነይሮም።

ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ፡ ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ድሕሪ ምፍጻም፡ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ናብ ሃገሩ ተፋንዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ምስኡ ዝመጹ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ፡ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ሰዓረ መኮነን፡ ከምኡ’ውን ዋና ዳይረክተር ጸጥታ ጀነራል ኣደም መሓመድ ድማ፡ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቀትሪ፡ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ላዕለዎት ሰብመዚ መንግስቲ ኤርትራን ተሰንዮም፡ ዲጋታት ሎጎን ምስላምን ኣብቲ ከባቢ ዝሰላሰል ዘሎ ሕርሻዊ ልምዓትን ምርባሕ ጥሪትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ መስርሕ ዘሎ መደበር መመንጨዊ ጸሓያዊ ጸዓት ተዓዚቦም።

Categories