ኣብ ዞባ ማእከል ክካየድ ብዝቐነየ ምርጫታት፡ 48 መጋባእያታት ኮማዊ ኣብያተ-ፍርዲ ከምዝቘማን፡ እቲ መስርሕ ዕዉት ምንባሩን፡ ብ21 ለካቲት ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ገምጋም ተገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ፡ ኣቦ-መንበር ህግደፍ ዞባ ማእከል ኣቶ ዩሱፍ ሳይቕ፡ ኣካየድቲ ኮሚቴ ምርጫ፡ ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታትን ወከልቲ ሃገራውያን ማሕበራትን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ኣቶ ዘርኢት ተወልደብርሃን፡ ናይ’ቲ ካብ 22 ጥሪ ክሳብ 17 ለካቲት ዝተሰላሰለ ምርጫታት ደያኑን ሽማግለታት ዕርቂን ሓፈሻዊ ገምጋም ኣቕሪቡ።

ኣብ’ቲ ገምጋም፡ ብደረጃ ዞባ 4 ዝኣባላታ ኣወሃሃዲት ኮሚተ፡ ብደረጃ ንኡሳን ዞባታት ከኣ ብጠቕላላ 74 ኣባላት ዘለዉወን 21 ኮሚቴታት ከምዝቘማ ክግለጽ እንከሎ፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት በሪኽ፡ ጋላ-ነፍሒን ሰረጀቓን ዝጸንሓ 33 መጋባእያታት ኮማዊ ኣብያተ-ፍርዲ ከምዝነበራኦ ክቕጽላ፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ከተማ ኣስመራ ዝነበራ 13 መጋባእያታት ድማ ናብ 15 ክብ ከምዝበላ ተሓቢሩ።

ተሳተፍቲ፡ ግዜ ምርጫ ኣብ ወርሒ ጥሪን ወቕቲ መርዓን ብምንባሩ – ኣብ ተሳታፍነት ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዝነበሮ፡ ንጐስጓሳት ዝተዋህበ ግዜ ከምዝሓጸረ፡ ተሳታፍነት ክልቲኡ ጾታ ምዕሩይ ዘይምንባሩን ምድግጋም ሕጹያት ከምእተኸስተን ብምዝካር፡ ንመጻኢ ዓቢ ቈላሕታ ክወሃቦም ዝግባእ ቀንዲ ጸገማት ምንባሮም ኣገንዚቦም።

ኣብ ዞባ ማእከል፡ ኣብ 48 መጋባእያታት ብድምር 35 ሚእታዊት ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 48 ደያኑ ዝተረቚሑ ክኾኑ ከለዉ፡ እቶም 37 ብሚኒስትሪ ፍትሒ እቶም 11 ድማ ብምምሕዳራት ንኡሳን ዞባታት ዝቐረቡ እዮም።

ብዘይካኦም ድማ፡ 46 ሚእታዊት ደቂኣንስትዮ ዝርከባኦም 187 ሽማግለታት ዕርቂ ብህዝቢ ተመሪጾም።

Categories